ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ባይደን ካብ ውድድር ከም ዘይስሕብ ይነግር


ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ፕረዚደንታዊ ክትዕ ሲ.ኤን.ኤን
ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ፕረዚደንታዊ ክትዕ ሲ.ኤን.ኤን

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፕረዚደንታዊ ክትዕ ከምቲ ትጽቢት ዝግበሮ ከም ዘይተዋጽአ ብሰፊሑ ዝተገልጸ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ካብቲ ውድድር ንኽስሕብ ንዝቕርበሉ ዘሎ ጻውዒት ከም ዘይቅበሎን ኣብቲ ምርጫ ከም ዝቕጽልን ኣፍሊጡ።

ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዋይት-ሃውስ ምስ ልዕሊ 20 ዝበጽሑ ካብ ሰልፊ ደሞክራሲያውያን ዝኾኑ ኣመሓደርቲ ክፍለ-ሃገራት ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን፡ ፕረዚደንት ባይደን ኣብቲ ውድድር ናይ ምቕጻል መደቡ ደጊሙ ገሊጹ።

እቶም ኣመሓደርቲ፡ ዶናልድ ትራምፕ ናብ መሪሕነት እንተ መጺኡ ክህሉ ዝኽእል ዝበሉዎ ሳዕቤናት ንባይደን ከም ዘረድኡዎን ስክፍታ ህዝቢ ድማ ብግልጺ ከም ዝነገሩዎን ድሕሪ’ቲ ርክብ ኣብ ዝሃቡዎ ቃል ተዛሪቦም።

እቶም ኣመሓደርቲ፡ ፕረዚደንት ባይደን ኣብቲ ውድድር ንኽዕወት ምሉእ ምትእምማን ከም ዘለዎ ምስ ነገሮም ብወገኖም ዝህሉ ድጋፍ’ውን ገሊጾም ኣለዉ።

እንተኾነ ኣብ በበይኑ ዓንኬላት፡ ፕረዚደንት ባይደን ካብቲ ውድድር ስሒቡ እቲ ዕድል ንኻልእ ተወዳዳሪ ክህቦ ዝብል ዘረባታት ክስማዕ ጸኒሑን ኣሎን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG