ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወፍሪ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ዓመተ 2024ን ኣፍሪቃዊያን ኣመሪካዊያን መረጽቲን


ወፍሪ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ዓመተ 2024ን ኣፍሪቃዊያን ኣመሪካዊያን መረጽቲን
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:21 0:00

ወፍሪ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣመሪካ ዓመተ 2024ን ኣፍሪቃዊያን ኣመሪካዊያን መረጽቲን

ፕረዚደንታዊ ሕጹያት ምርጫ ኣመሪካ ጆ ባይደንን ዶናልድ ትራምፕ ፡ ድምጺ ኣፍሪቃዊያን ኣመሪካዊያን ንምርካብ ይጉስጉሱ ኣለዉ። ቁጽሪ ንባይደን ዝድግፉ ጸለምቲ ካብቲ ኣብ 2020 ዝነበረ ከም ዝጎደለ ይረአ ኣሎ።

ዶናልድ ትራምፕ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ኒውዮርክ ክጉስጉስ ከሎ፡ እንተተመሪጹ ኩሎም ኣመሪካውያን ከም ዝርብሑ ተዛሪቡ ኔሩ።

"ጸለምቲ ኩኑ ቡናዊ ወይ ጸዓዱ ወይ ድማ ዝኾንኩም ሕብሪ ኩኑ፡ ኣየገድስን`ዩ። ኩልና ኣመሪካውያን ኢና። ከም ኣመሪካውያን ድማ ብሓደ ኮይና ክንዓቢ ኢና።"

ፕረ.ጆ ባይደን ብወገኑ ኣብ ሚሺጋን ንመራሕቲ ሲቪላዊ መሰላት ክዛረብ ከሎ፡ ኣብ ካቢንኡ ኩሎም ኣመሪካውያን ከም ዝተወከሉ ተዛሪቡ ኔሩ።

ኣብ ታሪኽ ካብ ዝኾነ ዝሓለፈ ምምሕዳር ንላዕሊ ኣብ ምምሕዳርና ዝያዳ ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያን ኣለዉና። ዝያዳ ደቀንስትዮ ኣለዋና። ዝያዳ ውሑዳን ኣባላት ሕብረተሰብ ኣለዉና።"

ድምጺ ኣፍሪቃዊያን ኣመሪካዊያን ኣብተን ወሰንቲ ዝብሃላ ግዝኣታት ኣብ ውጽኢት ምርጫ ለውጢ ከምጽእ ይኽእል`ዩ። ባይደንን ትራምፕን ድማ ነዚ ድምጺ`ዚ ንምኽሳብ`ዮም ድጋፍ ጸለምቲ ኣመሪካውያን ንምርካብ ዝጉስጉሱ ዘለዉ። ፒው ሪሰርች ዝተባህለ መጽናዕቲ ዘካይድ ትካል ከምዝሓበሮ፡ ኣብዚ ናይዚ ዓመተ 2024 ፕረዚደንታዊ ምርጫ ንጸለምቲ ዝያዳ ዘገድሰኦም ዘለዋ ረቛሒታት፡ ምምሕያሽ ትምህርትን ምሕያል ቁጠባን`የን። ትራምፕ ድማ ኣብ ክልቲአን ክሰርሕ `የ ይብል ኣሎ።

"ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝነበረና ዓወት ከምዝምለስ ክንገብር ኢና። ናብ ነብስወከፍ ከባቢ ምምሕያሽ ናብራ ከምዝምለስ ክንገብር ኢና። ኣብ ነብስወከፍ ኩርናዕ ከተማታትና ክነዐውቶ ኢና።"

ወፍሪ ምርጫ ባይደን ብወገኑ፡ ኣንጻር ትራምፕ ብዝገብሮ ናይ ተሌቭዥን ምልክታታት ንድምጺ ኣፍሪቃዊያን ኣመሪካዊያን ክኸስብ ይፍትን ኣሎ። ኣብቲ ምልክታ፡ "ትራምፕ ንኣፍሪቃዊያን ኣመሪካዊያን ምስትንዓቕ ሓዲሽ ነገር ኣይኮነን፡ ንኣፍሪቃዊያን ኣመሪካዊያን ገዛ ኣየካርይን ብምባሉ`ውን ተኸሲሱ ኔሩ`ዩ፡ ሓሙሽተ ንጹሃን ኣፍሪቃዊያን ኣመሪካዊያንን ቡናውን ቆልዑት ብሞት ክቕፅ `ውን ጸዊዑ`ዩ" ይብል እቲ ናይ ጎስጓስ ምልክታ።

ባይደን ኣብ ጎስጓሱ፡ ትራምፕ ንውሑዳን ዝጎድእ ፈዳይ ሕነ ሕጹይ`ዩ ክብል ገሊጽዎ ኔሩ።

“ ትራምፕ ንኣመሪካ ክመርሕ ኣይኮነን ዝወዳደር ዘሎ።ሕነ ክፈዲ እዩ ዝወዳደር ዘሎ። ሃገር ድማ ብሕነ ምፍዳይ ኣይኮነትን ትምራሕ። ብሕነ ምፍዳይ መጻኢ ኣይህነጽን`ዩ። ብሕነ ምፍዳይ ህይወት ሰባት ክተመሓይሽ ኣይትኽእል ኢኻ። ስለዚ እየ ንኣመሪካ ንቕድሚት ንምስጓም ዝወዳደር ዘለኹ።"

ኢምግረሽን ኣብ ወፍሪ ምርጫ ትራምፕ ማእከላይ ስፍራ ዝሓዘ ኣጀንዳ`ዩ። ብዛዕባ ብሰንኪ ግጉይ ዝበሎ ኣሰራርሓ ኢሚግረሽንን ኣብ ውሑዳን ኣባላት ማሕበረሰብ ዝወርድ ዝበሎ ሳዕቤንን`ውን ተዛሪቡ ኔሩ።

"ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያን ይቕተሉ ኣለዉ። ሂስፓኒክ፡ ኣመሪካውያን ይቕተሉ`ለዉ። እዞም ናብ ሃገርና ዝኣትዉ ዘለዉ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ዘምጽእዎ ዘለዉ ሳዕቤን ብዙሕ`ዩ። ጸለምቲ ኣመሪካውያን ኮኑ ሂስፓኒክ፡ ኣመሪካውያን ስርሖም ክስእኑ፡ ገዛ ክስእኑ፡ ኩሉ ዘለዎም ነገራት ክስእኑ ይገብርዎም ኣለዉ።"

ፕረ.ባይደን ብወገኑ፡ ንትራምፕ ዳግም ንምስዓር ድምጺ ኣፍሪቃዊያን ኣመሪካዊያን እደሊ ኣለኹ ይብል ኣሎ።

"ፕረዚደንት ነበር ትራምፕ ንክስዓር ዝገበርኩም ንስኻትኩም ኢኹም። ሎሚ `ውን ትራምፕ ዳግም ንክስዓር ትገብሩ ንስኻትኩም ኢኹም።"

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ዝነበረ ውድድር፡ ንባይደን ዝተዋህበ ድምጺ ጽለምቲ 92 % እዩ ኔሩ። ትካል መጽናዕቲ ፒው ከም ዘርእዮ ግን ሎሚ እቲ ቁጽሪ ናብ 77 % ጎዲሉ`ሎ። ንትራምፕ ዝመርጹ ኣፍሪቃውያን ኣመሪካውያን ድማ 18 % ምዃኖም እቲ መጽናዕቲ የርኢ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG