ኣመሪካ ንሃገራዊ ምርጫ ኣብ እትቀራረበሉ ዘላ እዋን፡ ብውሽጢን ደገን ንኣድመጽቲ ዝንቡዕ ሓበሬታ ብምሃብ ውጽኢት ክትልውጥ ናይ ምድላይ መስርሕ ይቕጽል ከም ዘሎ ክልተ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝወጽኡ መጽናዕታት የመልክቱ። እቲ ኣገባብ ካብ ግጉይ ሓበሬታ ምዝርጋሕ ክሳብ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ዝኸይድ’ዩ።
ፍሪዶም ሃውስ (Freedom House) ዝተባህለ ንደሞክራሲውያዊ መስርሕ ዝከታተል ዘይሻራዊ ኣመሪካዊ ትካል፡ ኣመሪካውያን ኣድመጽቲ ንሰፊሕ ዝርጋሐ ዝንቡዕ ሓበሬታ ቅሉዓት ምዃኖ ይገልጽ።
ኪያን ቨስቴንሶን ላዕለዋይ ተመራማሪ ኣብ ትካል ፍሪዶም ሃውስ’ዩ። “ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ኣድመጽቲ ብሕልፊ ኣብ ፖለቲካ ንዝንቡዕ ሓበሬታን ሽርሕታትን ዝተቓልዑ’ዮም። ክሳብ 70% ዝበጽሑ ኣድመጽቲ ርፓብሊካውያንን ናብቲ ሰልፊ ዝጽጋዕ ኣጠማምታ ዘለዎምን ኣብ ምርጫ 2020 ንጌጋ ሓበሬታ ዝተቓልዑ ምንባሮም መጽናዕታት ይሕብር። ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ’ውን ተመሳሳሊ ተርእዮ ይቕልቀል ከም ዘሎ ተገንዚብና ኣሎና።”
ኣብ ርእሲኡ ንሰራሕተኛታት ምርጫ ዝዓለመ ቀጻሊ ምፍርራሓት ከም ዘሎ ኣብቲ ጉዳይ ጠሚቶም ዝተኻየዱ መጽናዕታት ይሕብሩ።
እቲ ብኣካልን ብርሑቕ መንገዲ ኢንተርነትን ዝግበር መጥቃዕቲ ካብ ፈተነ ቅትለት ዶናልድ ትራምፕ ዝጅምር’ዩ። ከም ሓበሬታ ፍሪዶም ሃውስ ከምኡ እናጋጠመ ድማ ክሳብ’ቶም ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ዝወዳደሩ ዘለዉ ሕጹያት ይቕጽል።
ማሺናት መውሃቢ ድምጺ ካብ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ዛጊት ናጻ ምዃነን ትካል ፍሪዶም ሃውስ ይሕብር። እንተዀነ መርበብ ሓበሬታት ተወዳደርቲ ብዝግበር መጥቃዕታት ኣብ ኣድመጽቲ ዝምቡዕ ስእሊ ንምሃብ ዝግበር ሃቐነታት ግን ቀጻሊ ከም ዘሎ ይሕበር።
ቤት ጽሕፈት ምርመራ ገበን ኣመሪካ (FBI) ኣብ ልዕሊ ወፍሪ ምርጫ ትራምፕን ሃሪስን ብኢራን ዝተፈነወ ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ኣብ ምምርማር’ዩ ዝርከብ። ካልእ ኣብ ሳይበራዊ ጸጥታ ዝነጥፍ ትካል’ውን ተመሳሳሊ መጥቃዕታት ካብ ሩስያን ቻይናን ከም ዘሎ ይሕብር። ካብ መንጎ’ቲ ዝካየድ ዘሎ ናይ ምድንጋር መስርሕ፡ ብኣርተፊሻላዊ ብልሒ ዝፈረየ ጽሑፋትን ምስሩሕ ምስልታትን ኣብ ገለ መርበብ ሓበሬታታት ብምዝርጋሕ ዝሰፍሐ ተነባብነት ከም ዝህሉዎ ምግባር’ዩ።
ሲን ማይነር ሪከርድድ ፍዩቸር (Recorded Future) ኣብ ዝተሰየመ ንሳይበራዊ መጥቃዕታት ዝከታተል ትካል ዝሰርሕ’ዩ።
“ነዚ ስራሕ ዝተዓጥቁ ኣካላት ብቦታን ፖለቲካዊ ኣጠማምታ ኣድመጽቲን ዓሊሞም ኣጽዒቖም ምስ ዝሰርሑ ንውጽኢት ምርጫ ክልውጡ ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ።”ይብል ማይነር። ንሱ ኣስዒቡ ዛጊት ኣብዚ መዳይ ዘሰክፍ ተርእዮ ከም ዘይተመዝገበ ክገልጽ እንከሎ፡ ከም ተኽእሎ ግን ዓቢ ኣተኵሮ ዘድልዮ ኵርናዕ ምዃኑ እቲ ክኢላ ሳይበራዊ ጸጥታ ይገልጽ።
ስለዚ ከኣ’ዮም ኣመሪካውያን ኣድመጽቲ፡ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ዝቕበሉዎ ሓበሬታ፡ ዝወከሱዎ መርበባትን ካልእን ኣዝዩ ደቂቕ ምስትውዓል ክግበሩ ክኢላት ምርጫ ደጊሞም ዘጠንቅቑ ዘለዉ ትብል ወኪልና ቨሮኒካ ባልደራስ ኢግላሲያስ።
ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።
ቅጥዒ