ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጉጅለ ተዓዘቢ ምርጫ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ መወዳእታ ሪፖርቱ ኣውጺኡ፡ ምርጫ ኢትዮጵያ ዓለም-ለኸ መዐቀኒ ዘማልአ ኣይነበረን ኢሉ


እቲ ርፖርት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክዝርግሖ ብተደጋጋሚ ሓቲቱ ከምዝተኸልከለ ዝገለጸ ጉጅለ ሕብረት ኤውሮጳ፡ ቅድሚ ሎሚ ኻብ 50 ንላዕሊ ኣብ ዝበጽሓ ሃገራት ልዕሊ 80 ተልእኮታት ከምዘካይደ ግን ከምዚ ኣጋጢምዎ ከምዘይፈልጥ ጠቒሱ

ነቲ ሪፖርት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከይዝርግሕ ብምኽልካሉ ዜጋታት ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘካየድዎ ምርጫ ኣገዳሲ ሓበረታ ንኸይረኽቡ፡ መንግስቶም ኩሉ ዝክኣሎ ዘበለ ይገብር ኣሎ፡ እዚ ድማ ተራእዩ ዘይፈልጥ ተግባር ኢዩ ኢሉ።

ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ ማዕረ መወዳደሪ ባይታ ኸምዘይነበረን፡ ኣብ መንጎ መንግስትን ገዛኢ ፓርትን ንጹር ፍልልይ ከምዘይነበረን ገሊጹ።

ቀዳማይ መለስ ዜናዊ ብወገኖም ኣብቲ ሪፖርት ሕብረት ኤውሮጳ ተገዳስነት ከምዘይብሎም፡ እቲ ዝረኣይዎ ግን ሕማቕ ምዃኑ ተዛሪቦም።

XS
SM
MD
LG