ዋሽንግተን —
ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ምስ ኣብ ኔዘርላንድስ ኣብ ወርሒ የካቲት ኣብ መንጎ ተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራን ፖሊስ'ታ ሃገርን ዝጋጠመ ጎንጺ ተታሓሒዙ ተሳተፍቲ ዝነበሩ ሰባት ኣብ ቐይዲ ድሕሪ ምእታው መስርሕ ፍርዲ ተኻይዱ።ቤት ፍርዲ ኔዘርላንድ ( ሆላንድ) ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ኤርትራውያን ብይን ሂቡ’ሎ።
ነዚ ጉዳይ ፍርዲ ብቀረባ ዝተኸታተሎን ዝከታተሎን ዘሎ ኤርትራዊ-ሆላንዳዊ ጋዜጠኛ ሃብቶም ዮሃንስ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ዝርኣዮን ዝሰምዖን ከካፍለና ዓዲምናዮ’ለና።
ርእይቶ ጠበቃ ተኸሰስቲ ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ ንምርካብ ብኢመይል ዘቅረብናዮ መወከስታ ኣይሰለጠናን።
ቅጥዒ