ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህንጻ ዱባይ 'ዘ-ኣድሬስ' ብሓዊ ይነድድ'ሎ


ሎሚ ሓሙስ ምሸት ንሓድሽ ዓመት ዘብስር ርችት ይፅበዩ ዝነበሩ ኣጋይሽ ዘበናዊ ሰማይ ጠቀስ ህንፃ ዱባይ 'ዘ-ኣድሬስ' ባርዕ ሓዊ ኣጋጢሙዎም።

እቲ 'ዘ ኣድሬስ' ዝበሃል በዓል 63-ደርቢታት ህንፃ፣ ጥቃ’ቲ ናይ ዓለምና ዝነውሐ ህንፃ ቡርጅ ካሊፋ’ዩ ዝርከብ።

ጠንቂ’ቲ ሓዊን ኣብ ሰባት ዝወረደ ሞትን ዛጊድ ኣይተነፀረን ዘሎ። እቲ ናይ ምሸት 3፡30 ወይ 9፡30 ዝተወለዐ ባርዕ፣ ከይደንጎየ ንዕስራ ደርቢታት’ቲ ህንፃ ኣባሪዑዎ፣ እቲ ባርዕ ካብ ብኪሎ ሜትራት ርሕቀት ምርኣይ ይካኣል።

ንዓለም-ለኸ ኣጋይሽ ቀዳማይ ምርጫ ዝኾነ ሆተል ዘ-ኣድሬስ፣ ንምርኢት ርችት ስትራተጂካዊ ስፍራ ስለዘለዎ፣ ብሰባት ዝጨናነቀሉ ምሸት’ዩ እዚ ሓደጋ ኣጋጢሙ ዘሎ።

XS
SM
MD
LG