በዓል ደርቢ ህንጻ ሽግ ማለት "ቶርች ታወር" ዝተባህለ ሓደ ካብ ዓለምና ዝነውሐ መንበሪ ህንጻ ዱባይ ትማሊ ባርዕ ሓዊ ኣጋጢሙዎ።
እቲ ካብ መበል 65 ደርቢ ዝተበገሰ ባርዕ: ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ዘጋጠመ ክኸውን እንከሎ: ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰዓት ግን ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ሰብ ሓደጋ ከየውረደ ኣብ ቁጽጽር ከምዝኣተወ ሰበ ስልጣን መጥፋእቲ ሓዊ ዱባይ ገሊጾም።
ብመሰረት ሓበሬታ መጥፋእቲ ሓዊ ዱባይ፡ ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ ፡ እቲ ባርዕ ድሕሪ ምጅማሩ ኣርባዕተ ደቒቕ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም ነበርቲ ኣብ ምውጻእን ባርዕ ኣብ ምጥፋእን ከምዝተሳተፉ ብተወሳኺ ገሊጾም።
ሓላፊ ፖሊስ ዱባይ መጀር ጀነራል ዓብዱላህ ከሊፋ ኣል ማሪ: "ብዘይኾነ ኣብ ልዕሊ ሰብ ዝወረድ ጉድኣት ነቲ ባርዕ ክንቆጻጸሮ ምኽኣልና ንኣምላኽ ነመስግን" ኢሉ። ንሱ ብተወሳኺ ብናይ ኩላትና ምትሕብባር: ነበርቲ ናብ ካልእ ህንጻ ተሰጋጊሮም ክብል ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቡ።
እዚ "ዘ ቶርች" ተባሂሉ ዝጽዋዕ ህንጻ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ንካልኣይ ግዜኡዩ ሓደጋ ባርዕ ዘጋጥሞ ዘሎ።