ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሪጣንያ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘጋጠመ ደርቂ ተወሳኺ ሓገዝ ከምትህብ ኣፍሊጣ


ብሪጣንያ ኣብ ኢትዮጵያን ንዘጋጠመ ደርቂ ተወሳኺ ሓገዝ ከምትህብ ኣፍሊጣ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:46 0:00

ብሪጣንያ ኣብ ኢትዮጵያን ንዘጋጠመ ደርቂ ተወሳኺ ሓገዝ ከምትህብ ኣፍሊጣ

ጸሓፊ ትካል ዓለምለኸ ልምዓት ብሪጣንያ ፕሪቲ ፓተር ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ዘጋጠመ ጥምየትን ሕማም ንሞት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ንምክልኻል ዓለምለኸ ውሁድ ስጉምቲ የድልይ ክብላ ጸዊዐን።

ንሰን እቲ ኩነታት ኣብ ኣስጋኢ ኩነታት ምብጽሑን ምዝሕታል ዓለምለኸ ግብረ መልሲ ድማ ነቲ ዝጸንሓ ምዕባለ ዝዕንቕፍን ሕይወት ሰብ ዘኽፍል ምኳኑ ብተወሳኺ ነቲ ተአፋፊ ዞባ ዝያዳ ናብ ዘይምርግጋእ ዘእትው’ዩ ክብላ ገሊጸን።

ሚስ ፓተር ኣብ ሶማልን ኢትዮጵያ ህጹጽ ናይ መግቢ፡ማይን መሰረታዊ ኣገልግሎት ህክምና ዘልድዮም ክልተ ሚልዮን ሰባት ንምሕጋዝ 90 ሚልዮን ዩሮ ህጹጽ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ከምዘድልይ ሓቢረን።

“እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ዘሰንብድ’ዩ ። ናብዚ ዝመጻእክሉ ምክንያት ናይቲ ደርቂን ጥምየትን ኩነታት ንምዕዛብን ኣብቲ ንህቦ ሓገዝን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ንሰርሖ ሓገዝ ናይ ምሃብ ስርሓት ንምዕዛብ’ዩ።ሎሚ ኣብዚ ብዓለምለኸ ፕሮግራም መግቢ ሓገዝ ኣብ ዝወሃበሉ ጊዜ ምስ ደቂኣንስትዮን ካልኦት ሰባት ንምዝርራብ ኣብዚ ተረኺበ ኣለኹ። ብርግጽ ዓለምለኸ ማህበረሰብ ኣብዚ በዳሂ ኩነታት ተሳትፍኡ ከዕዝዝ ኣለዎ፡ ብሪጣንያ ን1.5 ሚልዮን ሰባት ተወሳኺ ሓገዝ ክትህብ’ያ።”

ኣብ 2016 ዓ.ም ብደርቂ ንዝተጠቕዑ ሰባት ንምሕጋዝ መንግስቲ ልዕሊ 700 ሚልዮን ዶላር ምቕራቡ ይዝከር። ሎሚ ዓመት’ውን ብሪጣንያ ነቲ ዝወሃብ ግብረ መልሲ ውጺኢታዊ ኽከውንን ቀዳምነት ግብረ መልሲ ኣብ ምስላጥን ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምትሰርሕ ሓቢረን።

“ ንኣብነት ኣብ መዳይ ጥዕና ዝወሃብ ሓገዝ ብሪጣንያ ለውጢ የመዝግብ ምህላው ይፍለጥ። ሕይወት ኣብ ምድሓን ጥራይ ዘይኾነ ህይወት ኣብ ምልዋጥ’ውን ይሰርሕ ኣሎ። ብሕጽረት መግቢ ዝተጎድኡ ህጻናት፡ ነብሰጾራት ኣብዚ ማእከል ሓገዝ ይረኽባ። ዓለምለኸ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ህጻናት ኣድሕን፡ ሴቭ ዘ ችልድረን ከምኡ’ውን ካልኦት መሻርኽቲ ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ብሓባር ብምዃን ዝህብዎ ናይ ጥዕና ኣገግሎትን ሓገዝ መግቢን ኣብ ህይወት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ህጻናትን አዴታትን ኢትዮጵያ ለውጢ የመዝግብ ኣሎ።’

ብተመሳሳሊ ብሪጣንያ ኣብታ ተደጋጋሚ መጥቓዕትታት ዕጡቓት ጥሩፍ ጉጅለታት ኣብ ዝኻየደላ ሃገረ ሶማል ብደርቂ ንዝተጎድኡ ሰባት ኣብ ምሕጋዝ ጥራይ ዘይኮነ መጻኢኦምን ህይወቶምን ኣብ ምልዋጥ ትሰርሕ ከምዘላ ገሊጸን።

XS
SM
MD
LG