ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደጋ ደርቂ ንዘንጸላልዎ ዘሎ ከባቢታት ኢትዮጵያን ሶማል ስርሓት ህይወት ኣድሕን ንምኽያድ ሕ/ሃ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ይሓትት


ፋይል- ሶማል
ፋይል- ሶማል

ብደርቂ ኣብ ዝተወቕዓ ኢትዮጵያን ሶማልን ህይወት ኣድሕን ስራሓት ክብ ንምባል ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካላት ናይ ገንዘብ ሓገዝ ይሓታ`ለዋ። ኣብ`ቲ ኸባቢ ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ዝጠመዩ ሰባት ኣብ ሓደጋ ሞትን ሕማምን ወዲቖም ።

ሓሙሽተ ዓመት ድሕሪ`ቲ ኣብ 2011 ዓ.ም ኣስታት 260 ሺሕ ሰባት ኣብ ሶማል ዘህለቐ ደርቂ፡ ሕጂ`ውን ነታ ሃገር ሓደጋ ደርቂ የንጸላልዋ`ሎ። በቲ ሓደጋ ዝያዳ ዝተሃስየ ከባብታት ፑንትላንድን ሶማሊላንድን`ዩ፡ ኣብዚ ከባቢታት ድሮ ብዙሕ ሞትን ሕማምን የጋጥም ከምዘሎ ይሕበር ኣሎ።

ወሃቢ-ቓል ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ሊዮ ዶብስ፡ ኣሸሓት ሰባት ዓዶም ገዲፎም ይኸዱ`ለው-መንግስቲ ግን ኣብ ቦትኦም ኮይኖም ረድኤት ክጽበዩ`ዩ ዘተባብዖም ዘሎ ይብል።ንሱ ብተወሳኺ ክሳብ ወርሒ ሰነ 825 ሚልዮን ዶላር ናይ ገንዘብ ሓገዝ ከም ዘድልይ`ውን ይገልጽ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንዝተራእየ ኻልእ ቀዛፊ ደርቂ ምላሽ ንምሃብ፡ ሕቡራት ሃገራት 18.5 ሚልዮን ዶላር ረድኤት ሓቲቱ`ሎ።

ወሃቢ-ቓል ቤት-ጽሕፈት ምትሕብባር ሰብኣዊ ሓገዝ ጀንስ ላርኪ፡ ኣብ`ቲ ዝያዳ ዝተሃስየ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ክልል ሶማልያ ንልዕሊ 785 ሺሕ ብጥምየትን ጽምእን ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ንምሕጋዝ ሓገዝ ገንዘብ የድልይ’ዩ ኢሉ`ሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ 5.6 ሚሊዮን ሰባት ብሕሱም ደርቂ ተወቒዖም ኣለዉ ዝበለ ሕቡራት ሃገራት ኣብ`ዚ ዓመት`ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ስራሓት ንምስራሕ 948 ሚልዮን ዶላር ይሓትት ኣሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG