ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኣምሓራ ብሰንኪ ደርቂ ሰባት ክሞቱ ምጅማሮም ተሓቢሩ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኣምሓራ ዞባ ዋግ-ሕምራ ብሰንኪ- ደርቂ ሰባት ክሞቱ ምጅማሮም ሰበ-ስልጣን`ቲ ከባቢ ሓቢሮም። ኣመሓዳሪ`ቲ ወረዳ ንድምጺ ኣመሪካ ከም ዝሓበሮ፡ ኣብቲ ከባቢ ልዕሊ 24 ሺሕ ሰባት ረድኤት ተጸበይቲ ኮይኖም ኣለዉ- ድሮ `ውን ሰብ ክመውት ጀሚሩ`ሎ።

ብሰንኪ ጸጥታ ጽርግያታት ምዕጻዉን ረድኤት ምቁራጹን `ውን ነቲ ጸገም ከም ዘጋደዶ እቶም ሓለፍቲ ከባቢ ይሕብሩ። ኣብ ክልል ኣምሓራ ኮሚሽነር ምክልኻል ሓደጋን ውሕስነትን ግን ብዛዕባ ምስ ደርቂ ዝተተሓሓዘ ዝሰዓበ ሞት ዝፈልጥዎ ከም ዘይብሎም ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቡ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG