ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኤርትራ ብደርቅን ጥምየትን ክንጥቃዕ ዘይኸኣልና ፡ ናይ 25 ዓመታት ጻዕሪ ድምር ውጽኢት`ዩ ይብሉ ሓላፊ ምህርቲ እኽሊ`ታ ሃገር


ኣቶ ተስፋይ ገብረማርያም፡ ኣብ ሚንስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ሓላፊ ምህርቲ እኽሊ
ኣቶ ተስፋይ ገብረማርያም፡ ኣብ ሚንስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ሓላፊ ምህርቲ እኽሊ

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሚልዮናት ሰባት ኣብ ሃገራቶም ብዘጋጠመ ደርቂ፡ ኣብ ሓደጋ ጥምየትን ሕጽረት መግብን ተሸሚሞም ይርከቡ። ኣብ`ቲ ዞባ ትርከብ ኤርትራ`ኸ ኣብ ምንታይ ኩነታት ትርከብ ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ካብ ዝግበር ጻዕሪ ሓደ ንበዓል-ስልጣን ሕርሻ መንግስቲ ኤርትራ ኣዘራሪብና`ለና።

ኣቶ ተስፋይ ገብረማርያም፡ ኣብ ሚንስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ሓላፊ ምህርቲ እኽሊ`ዩ። መንግስቲ ኤርትራ ንነዊሕ እዋን ክዳለው ከምዝጸንሐ ይገልጽ።
“ኤርትራ ኣብ ሳሕለ-ሰሃራ ኽፋል ኣፍሪቃ ኸምዘላ ኣቐዲምና ንፈልጦ ኢና።ብተቐያያሪ ክሊማ መታን ኸይንጥቃዕ ብዝተኻእለና መጠን ንተፈጥሮኣዊ ሃብትና ኸመይ ጌርና ንዕቅቦ፡ ኻብቲ ተፈጥሮኣዊ ሃብትና ጀሚርና ድማ፡ እንታይ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ እንዳኣታኣታቶና ሕርሻና ነማዕብል ዝብል ፖሊሲ ሒዝና ኢና ክንጉዓዝ ጸኒሕና።”
ኣቶ ተስፋይ ኣተሓሒዙ፡ እዚ ኹሉ ተደማሚሩ ንዓመታት ናይ ዘካየድናዮ ውጽኢት’ዩ ሕጂ ነዚ ንብሎ ዘለና ዝብድህ ዘሎ ወይ ዘሰክፈና ነገር የለን ንኽብል ዘኽኣለና ይብል።
ኣብ ኤርትራ ተሰሪሖም ካብ ዝበሎም ንገለ ክጠቕስ ከሎ ድማ፡ “ናይ እምኒ ዛላታት 105 ሽሕ ሄክታር፡ ናይ ሓመድ ዛላታት 153 ሽሕ ሄክታር፡ መደባዊ ዛላታት 95 ሽሕ ሄክታር ፡ኸትርታት ድማ ሽዱሽተ ሚልዮንንን 205 ሽሕ፡ ኣብ ማያት ኸአ 624 ራህያታት፡ 148 ነአሽቱ ዲጋታት፡ 74 ማእከላይ ዓቐን ዘለዎም ዲጋታት፡ 85 ድማ ዓበይቲ ዲጋታት ሰሪሕና ኣለና” ኢሉ።
እቲ በዓል ስልጣን ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃቦ ቃለ-መጠይቕ ኣተሓሒዙ፡ ኣብ ልምዓት መስኖ ድማ 23,346 ሄክታር ብጀሪፍ ይለምዕ ኣሎ። 1,150 ሄክታር ብመስኖ ነጠብጣብ ነልምዕ ኣለና ኢሉ።
ናይ ጥሪት ቀለብ ጸገም ክሳብ ዘይሃለወና ኣብ ጥሪትና`ውን ጸገም ክህልወና ኣይክእልን`ዩ ዝበለ ኣቶ ተስፋይ፡ ኣብ 2015 ብደረጃ ዓለም ምምዝባል ክሊማ ኤልኒኖ ዝፈጠሮ ጸገም ናይ ክረምቲ ዝርገሐ ከምቲ ዝድለ ብዘይምንባሩ ብርኩት እቶት ከምዘይተሓፍሰ፡ ይኹን`ምበር ኣብ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብዝነበረ ናይ ባሕሪ ዝናብን ኣብ 2014 ዝተሓፍሰ ልዑል ምህርትን ኣብ ካልኦት ዞባታት ንዝተፍጥረ ሃጓፍ ክሽፍን ከምዝኸኣለ ድሕሪ ምብራህ፡ ኣብ 2016 ዝነበረ ናይ ኣዝመራ ብፍላይ ድማ እቲ ናይ ክረምቲ ዝርግሐ ዝናብ ስሩዕን እኹልን ብምንባሩ ኣብ ምህርቲ ኣብ ጸባን ኣብ ኣሕምልትን ካብ`ቲ መደብና 90 ሚእትዊት ኣተግቢርና ኢና ኢሉ።
ቀዳማይ ክፋል`ዚ መደብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።
XS
SM
MD
LG