ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ኢትዮጵያ ናብ ጅቡቲ ዝንቀሳቀሱ መራሕቲ መካይን ዘጋጥሞም መጥቃዕቲታት ይገድድ ምህላው ገሊጾም


ካብ ኢትዮጵያ ናብ ጅቡቲ ዝወስድ መንገዲ- ፋይል
ካብ ኢትዮጵያ ናብ ጅቡቲ ዝወስድ መንገዲ- ፋይል

ካብ ኢትዮጵያ ናብ ጅቡቲ ዝንቀሳቐሱ ዘወርቲ ዓበይቲ መካይን ብዕጡቓት የጋጥሞም ዘሎ መጥቃዕትታት እናገደደ ይኸይድ ከምዘሎ ንድምፂ ኣመሪካ ገሊፆም።

ጭውያ፡ መጥቃዕቲ ቶኽሲ ቕትለትን ምጉዳል ኣካልን ዝኣመሰሉ ተደጋጋሚ ፀገማት የጋጥሞም ከምዘሎ እቶም ዘወርቲ መካይን ይገልፁ።

ሚንስትሪ መጎዓዚያን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ እቲ ፀገም ኣብ ዝሓፀረ ከምዝፍታሕ ቃል ኣትዩ እንተነበረ'ቲ ኩነታት ይገድድ ከምዘሎ እቶም መራሕቲ መኪና ይሕብሩ።

ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ሚንስትሪ መጉዓዝያን ሎጅስቲክን ኢትዮጵያ ዝቀረበሉ ሕቶ ኣብ ቀረባ መግለፂ ከምዝህብ ብምሕባር ምላሽ ኣይሃበን።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ብዘሎ ፀገም ፀጥታ ኣብ ልዕሊ ዘወርቲ መካይን መጥቓዕትታት ይፍፀም ከምዘሎ ዘረጋገፀ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ እቲ ጉዳይ ከምዘተሓሳስቦ ገሊፁ ኣሎ ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG