ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሰለስተ ዞባታት ትግራይ ዝኸፈአ ፀገም ዝስተ ማይ ኣጓኒፉ'ሎ


ኣብ ዞባታት ደቡብ፣ደቡብ ምብራቕን ኣብ ምብራቕን ዝርከባ ዝተወሰና ወረዳታት ዝኸፈአ ፀገም ዝስተ ማይ ከምዘጓነፈን ነዚ ፀገም እዚ ንምፍታሕ ድማ ይሰራሕ ምህላዉን ቢሮ ሃብቲ ማይ ትግራይ ገሊፁ'ሎ።

ኣብቲ ቢሮ ምክትል ሓላፊ ቢሮን መተሓባበሪ ቀረብ ዝስተ ማይን ኣይተ ተስፋኣለም ሓድጉ ኣብ ዞባ ደቡብ ወረዳታት ራያ ዓዘቦን ራያ ኣላማጣን፣ ኣብ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ወረዳታት ሰሓርቲ ሳምረን እንደርታን ከምኡ'ውን ኣብ ዞባ ምብራቕ ወረዳታት ክልተ ኣውላዕሎን ኣፅቢ ወምበርታን ዝኸፈአ ሕፅረት ዝስተ ማይ ኣጓኒፉወን'ሎ ኢሎም።

መንግስቲ ነዚ ፀገም ንምፍታሕ 11 ሚልዮን መዲቡ ጐዳጉዲ ማይ ይኹዕትን ማይ ብቦጥ የባፅሕን ምህላዉ ኣይተ ተስፋኣለም ተዛሪቦም።

ሰብ ውልቀ ሃብቲ'ውን ነቲ ኣጓኒፉ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ምስታፍ ጀሚሮም ኣለዉ። ብመሰረት እዚ ጊልስ ትካል ኳዕቲ ማይ ኣብ ወረዳታት ሳዕሲዕ ፃዕዳ እምባን ክልተ ኣውላዕሎን ብሰናይ ተበግሶ ማይ ይኹዕት'ሎ። ኣብ ሳዕሲዕ ፃዕዳ እምባ ዝዃዓቶ ጉድጓድ ማይ ዝሓለፈ ሰሙን ኣረኪቡ'ሎ።

ኣይተ ተስፋኣለም ሓድጉ ኣብ ትግራይ ፅሩይ ዝስተ ማይ 87 ሚእታዊት በፂሑ'ሎ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ንምስማዕ አብዚ ምስማዕ ይኽአል።

ኣብዚኣ'ሞ

ዚምባብወ ድሕሪ ሙጋበ ሕጂውን በቲ ገዛኢ ሰልፊ ምሕደርኣ ክቕጽል'ዩ። እዚ ኣብ'ታ ሃገር ዝተራእየ ለውጢ እምበኣር

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG