ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ውሽጢ ንብረት መንገዲ ኣየር ኢትዮዽያ ዝኾነት ድሪምላይነር 787 ነፋሪት ውሱን ባርዕ ሓዊ ተላዒሉ


DREAM LINER
DREAM LINER
መዕርፎ ነፈርቲ ሂትሮው ዓዲ እንግሊዝ፣ብጠንቂ ኣብ ሓንቲ ደው ኢላ ዝነበረት ነፋሪት ዝተላዕለ ሓዊ፣ሎሚ ዓርቢ ተዓፅዩ ከምዝነበረ ተገሊፁ።

ሰበ-ስልጣን‘ቲ መዕርፎ ነፈርቲ፣ኣብ ውሽጢ‘ታ ንብረት መንገዲ ኣየር ኢትዮዽያ ዝኾነት ድሪምላይነር 787 ነፋሪት፣መንገደኛታት ኣይነበሩን ኢሎም‘ለው።

ናይ ቴሌቭዥን ስእሊ፣ሰራሕተኛታት ሓደጋ ሓዊ፣ብመጥፍኢ ሓዊ ዓፍራ ከምዝሓፀብዋ የርኢ።

ቦይንግ ድሪምላይነር፣ናይ ባትሪ ፀገም ስለዘጓነፈን ሎም-ዘበን ንከይበራ ተኣጊደን ከምዝነበራ ይዝከር።ንነፋሪት መንገደኛታት፣ኣቀዲሙ ናብ በረራ ዝመለሰ መንገዲ ኣየር ኢትዮዽያ‘ዩ።

ወሃቢ-ቃል ቦይንግ Doug Alder ንቪኦኤ ኣብ ዝሃቦ ሪኢቶ፣ቦይንግ እቲ ሓደጋ ዘጋጠመ ምኳኑ ፈሊጡ‘ሎ።ኣብ‘ቲ መዕርፎ ነፈርቲ‘ውን ኪኢላታትና ኣለው።ንመልሰ-ግብሩ‘ውን ንሰርሕ‘ለና ኢሉ።
XS
SM
MD
LG