ዋሽንግተን —
ወታሃደራዊ ቤት ፍርዲ ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ፡ ኣብቲ ኣንጻር ዕጡቕ ጉጅለ ኤም 23 (M23) ዝካይደ ዘሎ ኲናት “ሃዲሞም” ንዝተባህሉ 25 ወታሃደራት ንሞት ፈሪዱ። እቶም ወታሃደራት ከሰኛን መተበን ኣብ ዝብሃል ኣከባቢ ዓሪዶም ድሕሪ ምጽናሖምን ድፋዓቶም ገፊዶም ከም ዝሃደሙ ተገሊጹ'ሎ።
ብመሰረት ሓበሬታ ሮይተርስ እቶም ድፋዖም ለቒቖም ዝሃደሙ ወታሃደራት ንብረት ህዝቢ ክዝርፉን ክራስዩን ከም ዝተራእዩ ወሃብ-ቃል ሰራዊት ምክልኻል እታ ሃገር ጠቒሱ። እቶም ኣብ ከባቢ ዓድታት ንብረት ህዝቢ ክዝርፉ ተራኺቦም ዝተባህሉ ወታሃደራት ገሊኣቶም ምስ ኣንስቶም’ዮም ተኣሲሮም።
ድሕሪኡ እምበኣር’ዩ ወታሃደራዊ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ን25 ካብኣቶም ብሃዳምነትን ምዝራፍ ንብረትን ንሞት ፈሪዱ። ሓደ ካብቶም ዝተታሕዙ ወታሃደራት ን10 ዓመት ማእሰርቲ ክፍረድ እንከሎ፡ እተን ኣርባዕተ ኣንስቲ ግን ናጻ ተባሂለን ኣለዋ።
ጠበቓ እቶም ወታሃደራት ነቲ ብይን ከም ዘይብቀሎ ብምግላጽ ይግባይ ክብል ምዃኑ ሓቢሩ ኣሎ።
ቅጥዒ