ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ሺሰኬዲ ንካልኣይ ናይ መዝነት ጊዜ ምዕዋቶም ይገልጹ


ፕረዚደንት ፈለክስ ሺሰኬዲ
ፕረዚደንት ፈለክስ ሺሰኬዲ

ሰበስልጣን ምርጫ ዴሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ፕረዚደንት ፈለክስ ሺሰኬዲ ንካልኣይ ናይ መዝነት ጊዜ ብዝለዓለ ድምፂ ምዕዋቶም ገሊፆም።

ኣብ ሓደ ዙር ካብ ዝተኻየደ ፕረዝዳንታዊ ምርጫ ሺሰኬዲ 73% ብዝኾነ ድምፂ ተዓዊቶም ኣለው።

በዓል ሃብቲ ነጋዳይ፣ ወናኒ ጋንታ ኩዕሶ እግርን ኣማሓዳሪ ሓደ ክፍለ ግዝኣት ነበርን ሞይስ ካቱምቢ ኣስታት 18% ድምፂ ረኺቡ ኣሎ።

ናይታ ሃገር ሕገ መንግስታዊ ቤት ፍርዲ ነቲ ግዚያዊ ውፅኢት 10 ጥሪ 2024 ከፅድቖ ትፅቢት ይግበር። መራሕቲ ተቓወምቲ ግን ነቲ ውፅኢት ነፂጎምዎ ኣለው።

ሺሰከዲ ኣብ ዘስምዕዎ ናይ ዓወት መደረ ንሃገሮም ፈፂሞም ከምዘይኸድዕዋ ተዛሪቦም።"ንዝሃብኩምኒ ካልኣይ ናይ ስልጣን ዘመን ዝተኣተው መፅብዓታት ንምፍፃም ውፉይ ክኸውን እየ’’ ኢሎም።

ኣብ መሳለጢያታት ዝነበሩ ሕጽረታት፣ ኣብ ምቑፃር ድምፂ ግልፅነት ዘይምህላውን ነታ ብማዕድናታት ሃብታም ዝኾነት ሃገር ዘሎ ምስሕሓብ ብምጉህሃር ተወሳኺ ዘይምርግጋእ ከይፍጠር ስግኣት ኮይኑ'ሎ።

ወዲ 60 ዓመት ሺሰከዲ ብዙሓት ተዓዘብቲ ተሳዒሮምሉ ዝነበሩ እዩ ኣብ ዝበሉዎ ናይ 2019 ኣሰሓሓቢ ምርጫ እዮም ንፈለማ ግዜ ናብ መዝነት መጽዮም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG