ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደባይ ተዋጋእቲ ኤም23 ጎማ ተቖጻጺሮም፡ ነበርቲ ይሃድሙ


ጎማ- ነበርቲ ይሃድሙ
ጎማ- ነበርቲ ይሃድሙ

ብሩዋንዳ ከም ዝድገፉ ዝግለጹ ደባይ ተዋጋእቲ ኤም-23 ሰኑይ ንርእሰ-ከተማ ሰሜን ኪቩ ዝዀነት ጎማ ድሕሪ ምቍጽጻሮሞ፡ ነበርቲ ነብሶም ንምድሓን ይሃድሙ ከም ዘለዉ ኣሶሸይትድ ፕረስ ኣስፊሩ። ካብ ርእሰ-ከተማ ኪንሻሳ ኣስታት 1,500 ኪሎሜተር ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ጎማ፡ ንምቍጽጻራ ቀጻሊ ውግእ ክካየድ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ሓያሎ ሃገራት ግን ሩዋንዳ ምሕጋዛ ደው ከተብልን እቲ ጎንጺ ድማ ክሃድእን ክንጽውዑ ጸኒሖም’ዮም።

ኣብታ ድሮ ልዕሊ 6-ሚልዮን ህዝባ ተመዛቢሉ ዘሎ ሰሜን ኪቩ፡ እዚ ዝተሓደሰ ጎንጺ ካልእ ሰብኣዊ ቅልውላው ክፈጥር ምዃኑ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት የጠንቅቕ። ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ሰንበት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሰራዊት ኤም-23 ገስጋሱ ደው ከብል ኣትሪሩ ጸዊዑ። እንተዀነ ካብ ሰንበት ኣትሒዞም ነበርቲ ነብሶም ንምድሓን ናብ ጎረቤት ሃገራ ሩዋንዳን ካልእ ውሑስ ዝተባህለ ከባቢን ይሃድሙ ኣለዉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG