ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ክሳብ ኪንሻሳ’ውን ክንቅጽል ኢና” ኣዛዚ ኤም-23


ሓይልታት ኤም-23 ኣብ ከተማ ጎማ - ፋይል
ሓይልታት ኤም-23 ኣብ ከተማ ጎማ - ፋይል

ህይወት ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ነበርቲ ኣመዛቢሉ ዘሎ ግጭት ሰሜን ኪቩ ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ዝቐጸለሉ መራሕቲ ሃገራት ደምበ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምህዳእ እቲ ጎንጺ ዘትዮም።

ብፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ተመሪሑ፡ ብመንገዲ ማንዛ፡ ረቡዕ ኣማስያኡ ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታት ሶማልያ፡ ቡሩንዲ፡ ታንዛኒያ፡ ደቡብ ሱዳንን ሩዋንዳ ዝተረኽቡሉ ኣኼባ፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ምብራቕ ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ፡ ህይወት ኣሽሓት ኣማዛቢሉ ዘሎ ኲናት ዝተሰምዖም ሓዘን ብምግላጽ፡ ንህጹጽ ምቍራጽ ተጻብኦታት ጸዊዖም። ድሕሪ ርክብ መራሕቲ እቲ ደምበ ኣብ ዝተዘርግሐ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ መንግስቲ ኮንጎ እንኮላይ ንደባይ ተዋጋእቲ ኤም-23 ዝሓወሰ ዘተ-ሰላም ክግብር ጸዊዖም። ኣብቲ ዘተ፡ ኮሚኒቲ ልምዓት ደቡባዊ ኣፍሪቃ (ሳድክ) ክህሉ’ውን እቶም መራሕቲ ኣሚሞም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ንዓባይ ከተማ ጎማ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተቖጻጸሩ ዝገልጹ ሓይልታት ኤም-23፡ ኣብቲ ቦታ ክጸንሑን ክሳብ ኪንሻሳ’ውን ክግስግሱ መደብ ከም ዘለዎምን ኣዛዚ እቲ ሓይሊ ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ ፊለክስ ቲሸከዲ ብወገኑ፡ መንግስቲ ተሪር ግብረ-መልሲ ከም ዝህብ ኣጠንቂቑ ኣሎ። ፕረዚደንት ቲሽከዲ ዞባ ዓበይቲ ቀላያትን ካልእ ማሕበረሰብ ዓለምን ነቲ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው “ብስቕታ ይዕዘቦ ምህላዉ ዘሕዝን’ዩ፡” ኢሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG