ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ዲ/ሪ/ኮንጎ ጥምየት ይገድድ ምህላው ኣጠንቂቑ


ፋይል
ፋይል

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ጥምየት እናገደደ ይኸይድ ኣሎ ክብል ኣጠንቂቑ። እቲ ጥምየት ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ብዝቐፀለ ግጭት ዝተላዕለ ምዃኑ'ውን እቲ ውድብ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣብዚ ዓመት 25.8 ሚሊዮን ሰባት ኣብታ ሃገር ፀገም ውሕስነት መግቢ ዘጋጠሞም ክኾኑ ከለው እዚ ኣሃዝ እዚ ኣብ ዝኾነ ይኹን ሃገር ዘይተረኣየ ዝለዓለ ቁፅሪ እዩ ክብል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ወሲኹ ኣፍሊጡ'ሎ።

ሰበስልጣን ከምዝበሉዎ ካብ ወርሒ ጥሪ ኣትሒዙ ኣስታት ሓደ ሚሊዮን ሰባት ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ኣለው።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ይውስኽ ንዘሎ ብዝሒ ተመዛበልቲ ንምሕጋዝ ሓገዝ ናይ ምትእኽኻብ ወፍሪ ጀሚሩ ኣሎ።

ሚንስትሪ ኮሚኒኬሽን ዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ፓትሪክ ሙያያ እታ ሃገር በቲ ቅልውላው ተዋሒጣ እንተሃለወት እውን ነቲ ኩነታት ንምምሕያሽ ግን ንሰርሕ ኣለና ኢሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG