ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ኢትዮጵያ ዝካየዱ ሰልፍታትን ሕቶታትን ግቡእ ምላሽ እንተዘይረኺቦም እታ ሃገር ናብ ውግእ ሓድሕድ ክትኣቱ ከምእትኽእል ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ነበር ዶክተር ነጋሶ ጊዳዳ ኣጠንቂቖም።
ዶክተር ነጋሶ ኣብ ክልላት ኦሮምያን ኣምሓራን ዝለዓሉ ሕቶታት ሰልፍታትን ኣመልኪቶም ክዛረቡ እንከለው ህጹጽ መልሲ ከምዘድልዮም ገሊጾም።
ንሶም "ናተይ ፍርሂ ናብ ውግእ ሓድሕድ ክንኣቱን ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ኣብ ሞንጎ መንግስትን ተቓወምትን ግጭት ክ ውላዕ ይኽእልዩ ኢለየ ዝሰግእ" ኢሎም።
ብሓይልታት ጸጥታ ይውሰድ ንዘሎ ስጉምቲ ከምዘሻቐሎም ዝጠቐሱ ዝተፈላለዩ መንግስታትን ተሓለቕቲ መሰላትን ገሊጾም እዮም።
ዶክተር ነጋሶ ጊዳዳውን ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣለዎ ኢሎም ኣለው። ኣብ ባሌ ሮባ ጎንደር ከምኡውን ኣብ ወለጋ ሓይልታት ጸጥታ ዝወሰድዎ ስጉምቲ "ኣዝዩ ዘሕዝን" ክብሉ ዶክተር ነጋሶ ገሊጾሞ።
እቶም ሰላማዊ ሰልፍታት ሰላማዊ ኣይነበሩን ዝብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ: ሓይልታት ጸጥታ ዝተራጸሙ ምስ ዕጡቓት ወገናት ምዃኖም ይሕብሩ።
ጠንቂ እቲ ዝተኸስተ ተቓዎሞ ሓደ መንግስቲ ንሕገ መንግስቲ ይትግብሮ ብዘይምህላው ምዃኑ ገሊጾም።
ንሶም "ትግባረኡ ከምዝመስለኒ ብቕልጡፍ ክትግበር ይኽእልዩ። ሚድያታት ምንቅስቓስን ነጻነትን ፓርትታት ሲቪካዊ ማሕበራት ድሒሮም ዝተወሰኑ ኣዋጃት ንኣብነት ኣዋጅ ጸረ ግብረሽበራ ኣዋጅ ፓርቲታት ዳግም እንተተገምገሙ ምጥሓስ ሕገ መንግስቲ ማለት ኣይኮነን" ድማ ኢሎም።
ናይ ፈለማ ፕረዚደንት ፌደራላዊት ሪፑብሊክ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ዶክተር ነጋሶ ጊዳዳ ሙሉእ ዕድመኦም ኣብ ፖለቲካ ዘሕለፉን ዝስምዖም ዝዛረቡን ፖለቲከኛ ምዃኖም ይፍለጥ ይብል ጸብጻብ እስክንድር ፍሬው።