ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ዶ/ር መረራ ጉዲና ዝተአሰሩ ንኣዋጅ ህጹጽ ጊዜ ስለዝጣሓሱ'ዩ' - ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ


ዶ/ር ነገሪ ሌንጮ
ዶ/ር ነገሪ ሌንጮ

ዶ/ር መረራ ጉዲና ዝተኣስሩ ንናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ብምጥሓሶም ምዃኑ ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶ/ር ነገሪ ሌንጮ ገሊጾም።ንሶም ተወሳኺ ሓበሬታ ካብ ኣካላት ሕጊ ወይ ካብ ኮማንድ ፖስት ኣብ ከይዲ ምርካብ ይክኣል እዩ ኢሎም።

ንሶም ብተወሳኺ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንናይ ወጻኢ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ኢትዮጵያ ንመራሕቲ ተቃወምቲ ፓርታት ትኣስር ኣላ ንዝብል እውን ህልዊ ኩነታት ዘንፀባርቕ ኣይኮነን ኢሎም ኣለው።

ቅድሚ ክልተ መዓልታት ዝተኣሰሩ ኣቦ መንበርን መስራቲን ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞን ምኽትል ኣቦ መንበር መድረኽን ዶ/ር መረራ ጉዲና ኣብ ምንታይ ኩነታት ከምዘለው መንግስቲ መብርሂ ኣይተዋህበን።

ሚኒስትር ጉዳያት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶ/ር ነገሪ ሌንጮ ብዛዕባ ማእሰርቲ ዶ/ር መረራ ጉዲና ከምዚ ክብሉ ገሊፆም።

“ማእሰርቲ ዶ/ር መረራ ጉዲና ምስ ናይ ህፁፅ ጊዜ ኣዋጅ ዝተተሓሕዘ እዩ።ኣብቲ ኣዋጅ ኣሸበርቲ ተባሂሎም ምስዝተመደቡ ውድባት ምርኻብን ምእላምን ዝኽልክል ዓንቀፅ ኣሎ።ነዚ ስለዝጥሓሱ ተኣሲሮም።ዝርዝር ሓበሬታ ግን ካብ ኣካላት ሕግን ኮማንድ ፖስትን ቀስ ብቐስ ምርካብ ይክኣል እዩ።”

ኣብ ኢትዮጵያ ዝተአወጀ ናይ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ኣብ ግብሪ ካብ ዝውዕል ዲፕሎማሰኛታት ካብ ኣዲስ ኣበባ 40 ኪሎ ሜትር ርሒቖም ብዘይፍቓድ ንከይጉዓዙ ዝኽልክል እገዳ ተላዒሉ’ሎ።

ካልኦት እገዳታት እውን ቀስ ብቐስ ክልዓሉ እንተኾይኖም ዝተሓተቱ ዶ/ር ነገሪ ዝተወሰኑ ክፋላት እቲ ኣዋጅ ተራ ብተራ ካብ ምልዓል ኩነታት እንተድኣ ተመሓይሾም መንግስቲ ነቲ ኣዋጅ ምሉእ ብምሉእ ከልዕሎ ይኽእል እዩ ኢሎም።እቲ ኮማንድ ፖስት ኣብ ውሽጢ መዓልታት ወይ ሰሙናት ኣብዚ ጉዳይ እዚ ሓበሬታ ክህብ ከምዝኽእል እውን ወሲኾም ገሊፆም ኣለው።

ዶ/ር ነገሪ ኩነታት ፀጥታ ኢትዮጵያ ምምሕያሹ ብምግላፅ ገለ ሃገራት ናብ ኢትዮጵያ ክጉዓዙ ንዝድለዩ ዜጋታተን ዘውፅእኦ ናይ ጉዕዞ መጠንቀቕታ የልዕላ ምህላወን ንናይ ጀርመን፣ስፐይንን ብሪታኒያን ከም ኣብነት ብምጥቓስ ኣሜሪካ ሓዊሱ ካልኦት ሃገራት ተመሳሳሊ ስጉምቲ ክወስዳ ናይ ምርዳእ ስራሓት ይሰርሓሉ ከምዘሎ’ውን ሓቢሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይከአል።

ዶ/ር መረራ ጉዲና ንናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ብምጥሓሶም ከምተአሰሩ ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:04 0:00


XS
SM
MD
LG