ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶክተር ደብረፅዮን ምእንቲ ሰላም ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ርክባት ከም ዘካይዱ ይገልፁ


ከተማ መቐለ - ፋይል
ከተማ መቐለ - ፋይል

ሎሚ ሰሉስ 10 መስከረም 2024 ኣብ ከተማ መቐለ ምስ መሓውራት ዜና እቲ ክልል ኣብ ዝነበሮም ፃንሖት፡ ኣቦ-መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል፡ ምእንቲ ሰላም እንኮላይ ንኤርትራ ዝሓወሰ ርክባት ምክያዶም ገሊፆም። ብሳላ’ቲ ርክብ’ውን ኣብ ዶባት ዝነበረ ወጥሪ ብመጠኑ ምህዳኡ ሓቢሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ምኽትል ፕረዚደንት ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፡ ክልቲኦም ወገናት ውድብ ህወሓት ንሰላም እቲ ክልል ካብ ዝዘርግ ተግባራት ክቝጠቡ ኣዘኻኺሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG