ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ደ/ሪ/ኮንጎ፤ “ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ምስቲ ዝዋግኦ ሓይሊ ምሕዝነት መስሪቱ”


ፋይል
ፋይል

ፕረዚደንት ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኣብታ ሃገር ዓስኪሮም ንዘለዉ ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ምስቲ ክምክቱዎ ትጽቢት ዝግበረሎም ዕጡቕ ጉጅለ ምትሕባብር የርእዩ ከም ዘለዉ ተዛሪቡ። ኣብታ ሃገር ዘለዉ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ምብራቕ ኣፍሪቃ ክፋነው ይቀራረበሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ነቶም ኣስታት 120 ዕጡቓት ጕጅለታት ንምምካት ግን ተወሳኺ ሓይሊ ከድሊ’ዩ።

ፕረዚደንት ዲሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎ ፈሊክስ ትሺከዲ፡ ኣብታ ሃገር ተዋፊሮም ንዘለዉ ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ምብራቕ ኣፍሪቃ የንጸባሩቑዎ ኣለዉ ንዝበሎም ትሑት ተራ ነቒፉ። እቲ ፕረዚደንት፡ ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ወርሒ ሰነ ካብታ ሃገር ክወጽኡ ከም ዝኽእሉ’ውን ኣኣንፊቱ ኣሎ።

ፕረዚደንት ትሺከዲ ኣብ ቦትስዋና ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቶም ኣባላት ዓቃብ-ሰላም ሰራዊትን ተቓለስቲን የርእዩዎ ኣለዉ ዝበሎ “ምሕዝነትን ምድንጋጽን” ነቒፉ። ካብ ኬንያ፡ ብሩንዲ፡ ኡጋንዳን ደቡብ-ሱዳንን ዝተዋጽኡ ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ምብራቕ ኣፍሪቃ ብቐንዱ ካብ ዕጡቕ ጉጅለ M23 ንዝወርድ መጥቃዕታት ንምክልኻል፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሰነ ኣትሒዞም ኣብታ ሃገር ይርከቡ።

እንተዀነ፡ ኣብ ኮንጎ በቶም ዕጡቓት ጕጅለ ዝወርድ መጥቃዕቲ ኣይጎደለን። በቲ ዝርአ ዝሕቱል ምክትታል ዘንጸርጸረ ፕረዚደንት ትሺከዲ ኣብ ቦትስዋና ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ኣብ መንጎ እቶም ዕጡቓት ጉጅለታትን እቶም ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ርኡይ ምትሕብባር ኣሎ። ከምዚ ዝመስል ናይ ምትእስሳር ተርእዮ እንተልዩ፡ ዕላማ እቲ ዓቃብ ሰላም ሰራዊትን ተልእኾኡን’ውን ክትርድኦ የጸግም’ዩ። ኣብኡ ዝጸንሓሉ ምኽንያት ኣይረኣየንን፡” ኢሉ። እቲ ፕረዚደንት ወሲኹ፡ “ኣብዚ ሕጂ እዋን ብዘይካ ወታሃደራት ብሩንዲ እቶም ዝተረፉ ኣባላት ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ምስቶም ክከላኸሉዎ ትጽቢት ዝግበሮም ዕጡቓት ጉጅለ M23 ሓቢሮም’ዮም፡ ብሰላም፡ ዝነብሩ ዘለዉ፡” ኢሉ።

እቲ ዓቃብ-ሰላም ጕጅለ ተልእኾኡ የማልእ ስለ ዘየሎ ድማ ዛጊት ንዝገበሩዎ ተበግሶ ኣመስጊኖም ኣብ ወርሒ ሰነ ከፋንዉዎም መደብ ከም ዘለዎም እቲ ፕረዚደትን ጠቒሱ።

ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምፍናው ኣብ ዝሕሰበሉ፡ ነቲ ክፍተት ክመልኡ ትጽቢት ዝግበሮም ሰራዊት ኮሚኒቲ ምትሕግጋዝ ደቡባዊ ኣፍሪቃ (SADC) ኢዮም። እዚ ጥምረት ንናሚቢያ፡ ኣንጎላ፡ ደቡብ-ኣፍሪቃ፡ ታንዛኒያ፡ ሞዛምቢክ፡ ዛምቢያ፡ ዚምባብወን ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ዝሓቘፈ’ዩ።

ዞባዊ ጥምረት ሳድክ፡ ብሰኑይ ኣብ ዊንድሂክ-ናሚብያ ኣብ ዝተረኸበሉ ስሩዕ ኣኼባኡ፡ ንኮንጎ ክሕግዝ ድሌት ከም ዘለዎ ኣመልኪቱ ኣሎ።

እቲ ጥምረት ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ ምብራቕ ኮንጎ ሰላምን ጸጥታን ንምስፋን ዓቃብ-ሰላም ሰራዊት ንምስዳድ ድሉው ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብቲ ኣብ ናሚቢያ ዝተኻየደ ርክብ፡ ካብ መንጎ’ቶም ዓበይቲ መራሕቲ እቲ ጥምረት ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪይል ራማፎዛ፡ ናይ ታንዛኒያ ሳሚያ ሱሉሁ ሓሰንን ናይ ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ፕረዚደንት ነይሮም።

ፕረዚደንት ራማፎዛ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሃገሩ ኣብ ምስፋን ሰላም ኮንጎ ዝከኣላ ክትግበር ምዃና ቃል ኣትዩ ኣሎ።

ምትሕግጋዝ ጥምረት ሳድክ፡ ብዝሒ ናብ ኮንጎ ዝልእኮም ወታሃደራትን መቓን ግዜን ኣየቐመጠን።

እንተዀነ እቲ ስራሕ ግዜ ዘይወሃቦ ምዃኖም ኵላቶም ይሰማምዑ። ደሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ካብ 1990ታት ኣትሒዛ ግዳይ በበይኖም ጎንጽታት ኰይና’ያ ጸኒሓ። ዝያዳ ኵሉ ኣቓልቦ ዝሰሓበ ግን M23 ዝተብሃለ ዕጡቕ ጕጅለ፡ ካብ መወዳእታ 2021 ኣትሒዙ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ሰፋሕቲ ቦታታት ድሕሪ ምቍጽጻሩ’ዩ። ነዚ ዝሓየለ ዕጡቕ ጕጅለ M23 ሓዊስካ፡ ኣብ ደሞክራሲያዊት ሪፓብክሊ ኮንጎ ብቐንዱ ድማ ኣብቲ ብማዕድናት ሃብታም ዝዀነ ከባቢ ጎማ፡ 120 ዕጡቓት ጕጅለታት ይነጥፉ።

ጕጅለ M23 ንኣስታት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ከም ዘመዛበል ይሕበር። ሩዋንዳ ነቲ ዕጡቕ ጕጅለ ድጋፍ ከም እትህቦ በበይኖም ወገናት ይኸሱ። እዚ ክሲ ብኣመሪካ፡ ፈረንሳን ሕቡራት ሃገራትን እንኮላይ ዝድገፍ’ዩ። መሪሕነት ፖል ካጋመ ግን ነቲ ክሲ ይነጽጎ።

XS
SM
MD
LG