ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኮንጎ -- ካብ ማእሰርቲ ንምህዳም ካብ ዝፈተኑ ብውሑዱ 129 ሞይቶም


ብሰኑይ ካብ ቤት ማእሰርቲ ንምህዳም ድሕሪ ዝተኻየደ ፈተነ 129 እሱራት ምሟቶም ሰብ-መዚ ደሞክራሲያዊት ርፓብሊክ ኮንጎ ኣመልኪቶም።

ኣብቲ ኣብ ኪንሻሳ ዝነበረ ፈተነ ምህዳም፡ ብርቱዕ ምልውዋጥ ተዅሲ ምንባሩ ነበርቲ ይምስክሩ። ገለ ካብ መሓውራት ዜና'ታ ሃገር፡ ካብቶም ዝሞቱ ብሰራዊት መንግስቲን ከም ዝተቐትሉ ጸብጺበን። ነቶም እሱራት ንምፍታሕ ብደገ መጥቃዕቲ እንተነይሩ ዛጊት ኣይነጸረን።

መሰኻኽር ዓይኒ ካብቲ ቦታ ከም ዝሓበሩዎ ካብቲ ኣስታት 15,000 እሱራት ዝነበሩዎ ዝጸንዐ ቤት ማእሰርቲ፡ እሱራት ክሃድሙ ምስ ፈተኑ ካብ ሓለዋ እቲ ቤት ማእሰርቲ ብኣድራጋ ጠያይት ክትኮሰሎም ጀሚሩ።

ኣምንስቲ ኢንተርናሽል ኣብቲ ኣስታት 1,500 እሱራት ጥራይ ክሕዝ ዝግበኦ ቤት ማእሰርቲ ልዕሊ 12-ሽሕ ተኣሲሮምሉ ምንባሮም ጸብጺቡ ነይሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG