ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቦ መንበር ኢዜማ ዶ/ር ጫኔ ከበደ ተኣሲሮም


ኣቦ-መንበር ፖለቲካዊ ውድብ ማሕበራዊ ፍትሒ ንዜጋታት ኢትዮጵያ (ኢዜማ) ዶ/ር ጫኔ ከበደ
ኣቦ-መንበር ፖለቲካዊ ውድብ ማሕበራዊ ፍትሒ ንዜጋታት ኢትዮጵያ (ኢዜማ) ዶ/ር ጫኔ ከበደ

ኣቦ-መንበር ፖለቲካዊ ውድብ ማሕበራዊ ፍትሒ ንዜጋታት ኢትዮጵያ (ኢዜማ) ዶ/ር ጫኔ ከበደ፡ ብቐዳም 13 መስከረም 2016 ዓ.ም. ብኣባላት ፀጥታ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምውዓሎም ሓላፊ መምርሒ ጉዳይ ሕግን ደሕንነት ኣባላትን ኢዜማ ኣቶ ስዩም መንገሻ ንድምጺ ኣመርካ ሓቢሮም።

ዶ/ር ጫኔ ከበደ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሽዱሽተ ኣባላት ፖሊስን ሓደ ሲቪል ዝተኸድነን ተታሒዞም፣ ታርጋ ብዘይብላ መኪና ከም ዝተወሰዱ ኣቶ ስዩም ወሲኾም ሓቢሮም። እቶም ዝኣሰሩ ፖሊስ ናይ ቤት ፍርዲ ፍቓድ ኣየርኣዩን ዝበሉ ኣቶ ስዩም፡ ኣቦ-መንበሮም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ መምርሒ ምርመራ ፌደራል ፖሊስ ተታሒዞም ከምዘለዉ ምስማዖም’ውን ጠቒሶም።

ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ካብ ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ርእይቶ ንምርካብ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG