ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምሩፅ ዓሌት ከፍቲ ዝፈጥር ዕዉት ሜላ ምርምር ኣብ ኢትዮጵያ


ዶክተር በሪሁ ገብረኺዳን
ዶክተር በሪሁ ገብረኺዳን
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:34 0:00

ሚኒስትሪ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኢትዮጵያ ካብ ቀዳማይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ክሳብ ብደረጃ ዩኒቨርሲቲ ሳይንሳዊ ምርምር ንዝመሃዙ ብሉፃት ተመራመርቲ 2007 ዓ.ም ሽልማት ሂቡ’ሎ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ መቐለ ኮሌጅ ሳይንስ እንስሳ ዘቕረቦ ውፅኢት ሳይንሳዊ ምርምር ካብ 34 ዩኒቨርሲታት እታ ሃገር ዝበለፀ ኮይኑ ተሓርዩ’ሎ። ብመሰረት እዚ ኣላሕም ዓድና ንኽስረራ ዝደፍእ ቴክኖሎጂ (Estrus synchronization) ብምጥቃም ዝተመሓየሸ ዓሌት ከፍቲ ዘምፅእ ሜላ ዝመሃዙ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ዶክተር በሪሁ ገብረኺዳን ተሸሊሞም።

ቀንዲ መልዐሊ እቲ ምርምር ኣብ ኢትዮጵያ ዝተመሓየሸ ዓሌት እንስሳ ንምርካብን ብኡ ኣቢልካ ሃፍቲን ውፅኢትን እንስሳ ንምምዕባልን ዝዓለመ ንምዃኑ ዶ/ር በሪሁ ገሊጾም። ውፅኢቱ ድማ ኣላሕም ዓድና ንኽስረራ ዝደፍእ ሆርሞን ብመልክዕ መርፍእ ብምሃብ ካብ ወፃኢ ሃገራት ምስ ዝተረኸቡ ዓሌት ብምድቓል ዝተመሓየሻን ዝበለፀ ውፅኢት ዝህባን ጥሪት ንምፍራይ ኣኽኢሉ’ሎ።

እዚ ሜላ’ዚ ኣብ ትግራይ ተግባራዊ ብምግባር ካብ 2004 ዓ.ም ክሳብ ዓሚ 2006 ዓ.ም ኣብ ውሽጢ ሰላስተ ዓማውቲ ን85 ሽሕ ኣላሕም እቲ መድሓኒት ብምሃብ 40 ሽሕ ናይ ወፃኢ ምሩፃት ዓሌት ከፍቲ ንምርካብ ተኻኢሉ’ሎ። ብመዳይ ምህርቲ ፀባ እንትረአ ሓንቲ ላሕሚ ዓድና ኣብ መዓልቲ 1.5 ሊትሮ ፀባ ትህብ፣ ናይ ወፃኢ ሃገር 25 ሊትሮ ትህብ፣ እታ በቲ ናይ ሐዚ ሜላ ምርምር ትዳቐል ዘላ ድማ ካብ 15 ክሳብ 17 ሊትሮ ትህብ።

ሎምቕነ ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ መድረኽ ሽልማት ካብ ኢድ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ሽልቶም ዝተቐበሉ ኣብ ኮሌጅ ሳይንስ እንስሳ ዩኒቨርቲ መቐለ ሓላፊ፣መምህርን ተመራማርን ዶክተር በሪሁ እቲ ናብ ሽልማት ዘብቀዐ ውፅኢት ምርምር ድማር ፃዕሪ ዩኒቨርሲቲ መቐለን ሓገዝቲ ትካላትን ምዃኑ ይገልፁ።

XS
SM
MD
LG