ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣቦ-መንበር ሓርበኛታትን ግንቦት 7ን ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ፣ ኣብ ፓርላማ ኣውሮጳ


ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ኣብ ብራስለስ ዝተቃንዓ ፓርላማ አውሮጳ ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተከሰተ ደርቂን ጥምየትን መብርሂ ከምዝሃቡ ተፈሊጡ።

ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብጎነጽ ንምዕላው ዝተላዓለ ግንቦት 7 ዝመርሑን ኣብ ኤርትራ ከምዝርከቡን ዝፍለጡ ዶ/ር ብርሃኑ፣ ናብ ኣኼባ ብራስለስ ዝተዓደሙ ብኣባላት’ቲ ፓርላማ ምኻኑ’ውን እቲ ዜና ይሕብር።

‘ደርቂ ተፈጥሮኣዊ’ዩ፣ ጥምየት ግና ውድቀት ፖሊሲ መንግስቲ ዘርኢ’ዩ’ ኢሎም።ጥምየት ካብ ኢትዮጵያ ንምውጋድ ከቢድ ኣይኮነን ዝበሉ ዶ/ር ብርሃኑ፣ መንግስቲ ንኩሉ ዓውዲ ናይ ምቁጽጻር ሕማም ከምዝሓደሮን፣ ንሓረስታይ ኣጻቢቡ ካብ ዕለት መግቡ ዝሰገረ ማእቶት ንከይህልዎ ይገብር’ሎ፣ ይውስኽ ዘሎ ብዝሒ ህዝቢን ዘበናዊ ዱኽዒ ጠንቂታት’ዮም’ ኢሎም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ፣ ጠንቂ ደርቂ ኣብ’ታ ሃገር ኣል-ኚኞ ዝተባሃለ ኩነታት ኣየር ምኻኑ፣ ክሳብ ሎሚ ዝሞተ ዜጋ ከምዘየለን፣ ሓገዝ ናብ ተጸበይቲ የባጽሕ ከምዘሎን ይገልጽ።

ኣቦ-መንበር ሓርበኛታትን 7 ግንቦትን ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ፣ ሎሚ ኣብ ፓርላማ ኣውሮጳ ዘስምዕዎ ቃል፣ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ዘተኮረ’ዩ ።

XS
SM
MD
LG