ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ንዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ናብ ብራስልስ ዝዓደምክዎ ኣነ'የ ' ኣባል ፓርላማ’ቲ ሕብረት ወ/ሮ ኣና ጎሜዝ


Ana Gomes,
Ana Gomes,

ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ኣብ ብራስልስ ኣኼባ ሕብረት ኣውሮጳ ዝተሳተፉ፣ በቲ ሕብረት ዘይኮነስ ብኣባል’ቲ ሕብረት’ዮም ተዓዲሞም ክብል ኣብ ኣዲስ አበባ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣውሮጳ ገሊጹ።

ኣባል ኣውሮጳዊ ሕብረት ወ/ሮ ኣና ጎሜዝ፣እቲ ትማሊ ዝተሳለጠን ንደርቂን ጥምየትን ኣብ ኢትዮጵያ ዝዘተየን ዋዕላ ኣዝዩ ዕውት ነይሩ ኢለን።

‘ከምመጠን ኣባል ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ብዛዕባ ጥምየት ኣብ ኢትዮጵያ ዝዘተየ መድረኽ ኣዳልየ ንዝምድናታት ወጻኢ ኮምሽን ኣውሮጳ ከምዝዓደምኩ፣ ንዶ/ር ብርሃኑ ነጋ’ውን ዓዲመ። ኤምባሲ ኢትዮጵያ’ውን ተዓዲሙ’ዩ’ ኢለን ንሰን።

ሕብረት ኣውሮጳ ዝዘርገሖ መግለጺ፣ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ናብ ኣኼባ ብራስለስ ዝተገበረሎም ዕድመ፣ ወግዓዊ ዕድመ ሕብረት ኣውሮጳ ወይ እቲ ውልቀ-ሰብ ንዘካይዶ ምንቅስቃስ ብሓደ ትካል’ቲ ሕብረት ኣፍልጦ ዝሃበ ኣይኮነን። ብደረጃ መትከል፣ ጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ፣ንምዕዋት ፖለቲካዊ ሸቶ ምጥቃም ብኣውሮጳዊ ሕብረት ንጹግ’ዩ ይብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

Recommended

XS
SM
MD
LG