ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ንዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ናብ ብራስልስ ዝዓደምክዎ ኣነ'የ ' ኣባል ፓርላማ’ቲ ሕብረት ወ/ሮ ኣና ጎሜዝ


Ana Gomes,
Ana Gomes,

ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ኣብ ብራስልስ ኣኼባ ሕብረት ኣውሮጳ ዝተሳተፉ፣ በቲ ሕብረት ዘይኮነስ ብኣባል’ቲ ሕብረት’ዮም ተዓዲሞም ክብል ኣብ ኣዲስ አበባ ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣውሮጳ ገሊጹ።

ኣባል ኣውሮጳዊ ሕብረት ወ/ሮ ኣና ጎሜዝ፣እቲ ትማሊ ዝተሳለጠን ንደርቂን ጥምየትን ኣብ ኢትዮጵያ ዝዘተየን ዋዕላ ኣዝዩ ዕውት ነይሩ ኢለን።

‘ከምመጠን ኣባል ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ብዛዕባ ጥምየት ኣብ ኢትዮጵያ ዝዘተየ መድረኽ ኣዳልየ ንዝምድናታት ወጻኢ ኮምሽን ኣውሮጳ ከምዝዓደምኩ፣ ንዶ/ር ብርሃኑ ነጋ’ውን ዓዲመ። ኤምባሲ ኢትዮጵያ’ውን ተዓዲሙ’ዩ’ ኢለን ንሰን።

ሕብረት ኣውሮጳ ዝዘርገሖ መግለጺ፣ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ናብ ኣኼባ ብራስለስ ዝተገበረሎም ዕድመ፣ ወግዓዊ ዕድመ ሕብረት ኣውሮጳ ወይ እቲ ውልቀ-ሰብ ንዘካይዶ ምንቅስቃስ ብሓደ ትካል’ቲ ሕብረት ኣፍልጦ ዝሃበ ኣይኮነን። ብደረጃ መትከል፣ ጎነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ፣ንምዕዋት ፖለቲካዊ ሸቶ ምጥቃም ብኣውሮጳዊ ሕብረት ንጹግ’ዩ ይብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG