ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ማንዴላ ናይ ካልኦት ሓሳባት ናይ ምትእንጋድ ባህሪ ነይርዎም፡-ዶ/ር በረኸት ሃብተስላሰ


Dr.Bereket Habteselasse
Dr.Bereket Habteselasse
ኒልሰን ማንዴላ ካብ ዝዝከሩሉ ዓባይቲ ወሻታቶም ብናተይ እምነት 3-እየን ክብሉ ዶ/ር በረኸት ሃብተስላሰ ገሊፆም።

ኣብ ኣሜሪካ ዩኒቨርስቲ ኖርዝ ካሮላይና ቻፕል ሂል ናይ መፅናዕቲ ኣፍሪቃን ቤት-ትምህርቲ ሕጊን ፕሮፌሰር ዝኾኑ ዶ/ር በረኸት ሃብተስላሰ ፣ ካብቲ ዓበይቲ ውርሻታት ማንዴላ እቲ ሓደ- ሓደ መራሒ ክህልዎ ዝግባእ ባህሪ ፅን ኢልካ ናይ ሰባት ዘረባ ምስማዕን ሓሳባቶም ምትእንጋድን፣ እቲ ካልአይ ኸአ ካብ ቅርሕንትን ስሚዒት ሕነ ምፍዳይን ነፃ ብምኻን ኣብ ሃገሮም ሃገራዊ ዕርቂን ሰላምን ንኽዓስል ዝፈፀምዎ አበርክቶ፣ እቲ ሳልሳይ ኸአ ቃሎም ብምሕላው ድሕሪ ናይ ሓደ እዋን ስልጣን ብፍቃዶም ስልጣኖም ብምሕዳግ ጡረታ ምውፅኦም'ዩ ክብሉ ዘርዚሮም።

ዶ/ር በረኸት ሃብተስላሰ ምስ ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-መጠይቅ፣ ኣብ መጀመርታ 70'ታት ንኒልሰን ማንዴላ ኣብ አዲስ አበባ ብኣካል ከም ዝረኸብዎም ገሊፆም'ለዉ።

ሙሉእ ትሕዝትኡ ንምስማዕ ኣብ ታሕቲ ንዘሎ ምልክት ድምፂ ጠውቁ።
Dr.Bereket Habteselasse
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:57 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG