ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ ዝመርሕዋ ጉጅለ ዴ.ም.ት ኣዲሳበባ ኣትያ


ጉጅለ ልኡኽ ዲ.ም.ት
ጉጅለ ልኡኽ ዲ.ም.ት

ብዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ ዝምራሕ ጉጅለ ኣባላት ዴሞክራሲያዊ ምትሕብባር ትግራይ (ዴ.ም.ት) ቅድሚ ሳልስቲ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ’ሎ። ዕላማ’ታ ጉጅለ ‘እቲ ብዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ንከይቕልበስ መታን ድጋፍ ንምብርካትን ህዝቢ ተረባሓይ ንምግባርን’ ምዃኑ’ውን ተገሊጹ’ሎ።

ኣቦ መንበር’ቲ ፓርቲ ዶ/ር ኣረጋዊን ምክትሎም ኢንጂነር ግደይ ዘረኣጽየንን ምስ ሓላፊ ክፍሊ ውደባ ኣቶ መኮነን ዘለለው’ዮም ኣባላት’ታ ጉጅለ።

ኣብ ስደት እናሃለው ‘ምስ ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተራኺቦም ስፍሕ ዝበለ ልዝብ ንምክያድ ከምዝተዘራረቡን፣ ብዛዕባ’ቲ ንመጸሉ ዘለና ዕላማ፣ ብሓፈሽኡ’ኳ ዝፈልጥዎ እንተኾነ፣ ሓድሽ ለውጢ መጺኡ ኣሎ፣ ህዝቢ ኢትዮጵያ ናይ ነጻነት ኣየር ከትንፍስ ጀሚሩ ስለዘሎ ንሕና’ውን ነቲ ናይ ነጻነት ኣየር ክነትንፍስ ንመጽእ ከምዘለና ኣፍሊጥና ኢና መጺና’ ኢሎም ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ።

‘ወከልቲ ክልላዊ ምምሕዳር ትግራይ ክሳብ’ዚ ቃለ ምልልስ ዝገበርናሉ እዋን ኣየዘራረቦምን። ክቕበሉና’ዮም ዝብል ተስፋ ነይሩና’ ይብሉ ኢንጂነር ግደይ ዘራጽዮን።

ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀን ኢንጂነር ግደይ ዘረኣጽየንን ካብ ሞንጎ 11 መስረቲ ተሓህት/ህወሓት እቶም ክልተ ምዃኖምን ዕጥቃዊ ቃልሲ ንምጅማር ናብ በረኻ ደደቢት ካብ ዝወረዱ ሒደት ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ምዃኖምን ዝዝከር’ዩ። ክልቲኦም ናብ ኣዲሳበባ ዝተመለሱ ድሕሪ ኣስታት 44 ዓመታት’ዩ።

እንተኾነ ወከልቲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ክሳብ’ዚ ሰዓት’ዚ ከምዘየዘራረቦም’’ውን ንምፍላጥ ተኻኢሉ’ሎ።

ሙሉእ ቃለ ምልልስ ኣብ ናይ ጽባሕ ሰሉስ መደብና ተኸታተሉ።

XS
SM
MD
LG