ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብዓስርተታት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ደሃይ ኣጥፊኦም


የመን ስደተኛታት- ፋይል
የመን ስደተኛታት- ፋይል

ስደተኛታት ጽዒና ዝነበረት ጃልባ ኣብ ገማጋም ባሕሪ የመን ድሕሪ ምግልባጣ፡ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ካብቶም ተሳፊሮም ዝነበሩ ስደተኛታት ደሃይ ከም ዘይብሎም ንሰብ-መዚ የመን ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ። እታ ትማሊ ሰንበት ሓደጋ ዘጓነፋ ጃልባ 75 ተጓዓዝቲ ጽዒና ምንባራ ሓለዋ ባሕሪ የመን ገሊጾም።

ካብታ ዝተባለሸወት ጃልባ 26 ተጓዓዝቲ ምድሓኖም ዝገለጸ በዓል መዚ የመን፡ 49 ግን ደሃይ ከም ዘይብሎም ሓቢሩ።

ካልእ በዓል መዚ እቲ ናይ ምድላይ ስራሕ ይቕጽል ከም ዘሎ ሓቢሩ'ሎ።

ሳባ ዝተባህለ ኣገልግሎት ዜና የመን፡ እታ ጃልባ ብብርቱዕ ንፋስ ምስ ተወቕዐት፡ ኣብኣ ዝነበሩ ቆልዓ-ሰበይቲ ዝርከቦም ተጓዓዝቲ ኵላቶም ናብቲ ማይ ከም ዝተኻዕዉ ኣመልኪቱ።

ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝነቐሉ ተጓዓዝቲ ብመንገዲ የመን ኣቢሎም ናብ ማእከላይ ምብራቕ ንምስጋር ተደጋጋሚ ሓደጋታት ከም ዘጓንፎም ይፍለጥ። በዚ መስመር’ዚ ብልምዲ ዝጓዓዙን ንሓደጋ ዝቃልዑን ካብ ኢትዮጵያ፡ ጂቡቲን ሶማልን ዝነቐሉ ምዃኖም ኣሶሴይትድ ሓቢሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG