ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ልኡኽ ኬንያ ኣብ ልዝብ ዘተ-ሰላም ኢትዮጵያ ከምዘይርከቡ ምግላጾም ጥርጣረ ፈጢሩ'ሎ


ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ -ፋይል
ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ -ፋይል

ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ኣብቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ተመሪሑ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክካያድ ተመዲቡ ዝነበረ ዘተ-ሰላም ኢትዮጵያ ክርከብ ኣይክእልን`የ ድሕሪ ምባሉ፡ እቲ ዘተ-ሰላም ብዛዕባ ምክያዱ'ውን ጥርጣረ ፈጢሩ'ሎ።

እቲ ልዝብ ዝሓለፈ ቀዳም ክካየድ ተመዲቡ`ኳ እንተነበረ ኣይተኻየደን፡ ዝቕጽል ዝተነግረ መደብ`ውን የለን።

ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ ምስ መራሒ ናይጀርያ ነበር ኦለሰገን ኣባሳንጆን ምኽትል ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ፉምዚለ ላምቦ ንጉካ ብምዃን ነቲ ልዝብ ሰላም ኢትዮጵያ ክመርሕዎ መደብ ኔሩ።

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ'ውን ነቲ ግጭት ኣብ ምዕራፍ እቶም ተዋሳእቲ ኣወንታዊ ተራ ክጻወቱ ምሉእ ምትእምማን ኣለኒ ኢሉ ኔሩ። እንተኾነ ምልክት ብድሆታት`ቲ መስርሕ፡ ኬንያታ ናብ ፋቂ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ ብምኽንያት ዘለዎ ተገራጫዊ መደብ ኣብቲ ዘተ ሰላም ከም ዘይሳተፍ ኣፍሊጡ።

ኣተሓሒዙ ንካልእ ቆጸራ ክትሓስቡ ከለኹም ግን ብዛዕባ ቅርጽን ኣገባባትን መዘራረቢ ተወሳኺ መብርሂ ምደለኹ ክብል ሓቲቱ።

ዝሓለፈ ነሓሰ ካብ ስልጣን ዝወረደ ኬንያታ፡ ህጹጽን ዘይቅድሚ ኩነታዊን ምቁራጽ ተጻብኦታት ኣብ ኣጀንዳ ቀንዲ ክኸውን ኣለዎ እውን ኢሉ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብቲ ልዝብ ንምስታፍ ድልዋት ኣለና ኢሎም ኔሮም`ዮም። እንተኾነ መራሒ ህወሓት ደብረጽየን ገብረሚካኤል እቲ ዕድመ ቅድሚ ምቕባሉ እቶም ሸምገልቲ ከምዘይኣማኸርዎ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብቲ ዘተ ብዛዕባ ዝሳተፉ ካልኦት ኣካላት፡ ከምኡ`ውን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ነቶም ልኡኻቱ ዝግብሮ ከም ጉዕዞ ነፋሪትን ጸጥታን ኣብ ዝበለ ሎጂስትክስ ዝጻወቶ ተራ መብርሂ ሓቲቱ`ዩ።

ብዛዕባ`ዚ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ካብ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ህወሓት ርእይቶ ሓቲቱ ኣይረኸበን።

ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ግን ምስ ብርክት ዝበለ ደብዳብ ነፈርቲ ቀጺሉ`ሎ። ዝሓለፈ ዓርቢ ካብ መቐለ 30 ኪ.ሜ ርሒቓ ኣብ ትርከብ ደንጎላት ዝተባህለት ዓዲ ናይ ድሮን መጥቃዕቲ ከም ዝነበረን ሓሙሽተ ምውታት ዝርከብዎም 42 ግዳያት ከምዝተቐበሉን ዳይሬክተር ሆስፒታል ዓይደር ክብሮም ገብረስላሰ ብትዊተር ኣፍሊጡ`ሎ። ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ግን ከረጋግጾ ኣይከኣለን።

ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ዝተወልዐ ኲናት፡ ቁጽሮም ዘይተነግረ ሲቪላት ከምዝቐተለን ሚልዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ኣፈናቒሉ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ፈጢሩ ከም ዘሎን ክግለጽ ጸኒሑ`ዩ።

XS
SM
MD
LG