ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራ ካብ መንጎ 8ተ ቀንዲ ገሃስቲ ናጽነት ሃይማኖት ተባሂላ ብሚንስትሪ ወጻኢ ኣመሪካ


ኣብ ኢትዮጵያ`ውን ገለ ሰበ-ስልጣን ጥሕሰት ናጽነት ሃይማኖት ከምዘርእዩ ገሊጹ`ሎ

መዝገብ ምኽባር ናጽነት ሃይማኖት መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ`ቲ ዝሓለፈ ዓመት `ውን ድኹም ምንባሩ ዝገለጸ እቲ ሪፖርት፡ ንኣባላት ዘይምዝጉባት ሃይማኖታት ምክልባትን ምእሳርን ኸምዝቐጸለ ይገልጽ።

ካብ 2ተ ክሳብ 3ተ ሺሕ ዝበጽሑ ብሰንኪ እምነቶም ዝተኣስሩ ኸምዘለዉ`ውን ጠቒሱ`ሎ።

እንተኾነ፡ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ብሓፈሽኡ ኣብ ነንሕድሕዶም ሃይማኖታዊ ምጽውዋር ኣለዎም ይብል ሪፖርት ምንስትሪ ወጻኢ ኣመሪካ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሕግታትን ፖሊሲታትን ብሓፈሽኡ ንናጽነት ኣምልኾ የኽብር`ዩ ዝበለ`ቲ ሪፖርት፡ ኣብ መንጎ ሙስሊምን ክርስትያንን ከባቢያዊ ውጥረታት ከምዝነበረን ግጭት ከምዘስዓበን ገሊጹ።ገለ ስበ-ስልጣን`ውን ናጽነት ሃይማኖት ጥሒሶም`ዮም ይብል።

ምስ ኤርትራ ዝኸፍኣ ገሃስቲ ሃይማኖት ዝተባህላ፡በርማ፡ ቻይና፡ሰሜን ኮርያ፡ኢራንን ኡዝበኪስታንን፡ ስዑዲ ዓረብን ሱዳንን`የን።

ንምሉእ ጸብጻብ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡

XS
SM
MD
LG