መዝገብ ምኽባር ናጽነት ሃይማኖት መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ`ቲ ዝሓለፈ ዓመት `ውን ድኹም ምንባሩ ዝገለጸ እቲ ሪፖርት፡ ንኣባላት ዘይምዝጉባት ሃይማኖታት ምክልባትን ምእሳርን ኸምዝቐጸለ ይገልጽ።
ካብ 2ተ ክሳብ 3ተ ሺሕ ዝበጽሑ ብሰንኪ እምነቶም ዝተኣስሩ ኸምዘለዉ`ውን ጠቒሱ`ሎ።
እንተኾነ፡ ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ብሓፈሽኡ ኣብ ነንሕድሕዶም ሃይማኖታዊ ምጽውዋር ኣለዎም ይብል ሪፖርት ምንስትሪ ወጻኢ ኣመሪካ።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ሕግታትን ፖሊሲታትን ብሓፈሽኡ ንናጽነት ኣምልኾ የኽብር`ዩ ዝበለ`ቲ ሪፖርት፡ ኣብ መንጎ ሙስሊምን ክርስትያንን ከባቢያዊ ውጥረታት ከምዝነበረን ግጭት ከምዘስዓበን ገሊጹ።ገለ ስበ-ስልጣን`ውን ናጽነት ሃይማኖት ጥሒሶም`ዮም ይብል።
ምስ ኤርትራ ዝኸፍኣ ገሃስቲ ሃይማኖት ዝተባህላ፡በርማ፡ ቻይና፡ሰሜን ኮርያ፡ኢራንን ኡዝበኪስታንን፡ ስዑዲ ዓረብን ሱዳንን`የን።
ንምሉእ ጸብጻብ ኣብ ምልክት ድምጺ ጠውቑ፡