ዋሽንግተን —
ዓለምለኸ ለገስቲ ሃገራት ብኲናት፣ ድኽነትን ጥምየትን ኣብ ውሽጢ ሃገሮም ኮነ ካብ ሃገሮም ወፃኢ ኣብ ስደት ዝሳቐዩ ንዘለዉ ሶርያውያን 10.3 ቢልየን ዶላር ሓገዝ ከምዝተኣኻኸቡ ትማሊ ሓሙስ ኣፍሊጦም።
ኣብቲ ሕብረት ኣውሮጳ ዝተዳለወ ንጉዳይ ሶርያ ዝጠመተ ኣብ ብራሰልስ ዝተኻየደ ዓመታዊ ዋዕላ 57 ሃገራትን 30 ዓለምለኸ ትካላትን ዝኣተዉዎ መብጽዓ ካብቲ ሕቡራት ሃገራት ንሰብኣዊ ሓገዝ ዘቕረቦ ፃውዒት ብ 800 ሚልዮን ዝነከየ እዩ።
ኮምሽነር ሰብኣዊ ሓገዝ ሕብረት ኣውሮጳ ያነዝ ናርቺች ኣብ መዕፀዊ እቲ ዋዕላ “እዚ ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ጎኒ ህዝቢ ሶርያ ጠጠው ምባሉ ዘርኢ ጭቡጥ መረጋገፂ እዩ” ኢሎም።
ቅጥዒ