ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ኣሜሪካ ተተካኢ ሓጋዚ ሚንስትር ወጻኢ ንጉዳያት ኣፍሪቃ ዶናልድ ያማማቶ ምስ ቀ/ሚ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ተዘራሪቦም


ፋይል- ናይ ኣሜሪካ ተተካኢ ሓጋዚ ሚንስትር ወጻኢ ንጉዳያት ኣፍሪቃ ዶናልድ ያማማቶ
ፋይል- ናይ ኣሜሪካ ተተካኢ ሓጋዚ ሚንስትር ወጻኢ ንጉዳያት ኣፍሪቃ ዶናልድ ያማማቶ

ናይ ኣሜሪካ ተተካኢ ሓጋዚ ሚንስትር ወጻኢ ንጉዳያት ኣፍሪቃ ዶናልድ ያማማቶ ሎሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ተዘራሪቦም።

ዝርዝር እቲ ዝርርብ ገና ኣይተገልፀን።ያማማቶ ናብ ኢትዮጵያ ዝኸዱ ንኢትዮጵያን ነቲ ዞባን ኣብ ዘሻቕሉ ጉዳያት ንምዝርራብ እዩ ክብል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ገሊፁ’ሎ።

ካብ 2006-2009 ዓ.ም ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኮይኖም ዘገልገሉን ኣብዚ ሕጂ እዋን ተተካኢ ሓጋዚ ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኣፍሪቃ ብምኳን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ትማሊ ዝአተው ዶናልድ ያማማቶ ሎሚ ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ተራኺቦም ከምዝተዘራረቡ ተፈሊጡ’ሎ።ንሶም ኣብዚ ናይ ኣዲስ ኣበባ ዑደቶም ምስ መራሕቲ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ምዝርራቦም ወሃቢ ቃል እቲ ኤምባሲ ኣረጋጊጾም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG