ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትሕዝቶ መደረ ኩነተ-ሃገር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ


Donald Trump
Donald Trump

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ሰሉስ ምሸት ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኩነተ-ሃገር (State of the Union Address) ‘ንሓያል ቁጠባን ጉዳይ ፖሊሲ ኢምግረሽን ሓባራዊ ተግባር ኣባላት ቤት ምኽሪ ንክሰፍን’ ዝጽውዑሉ መደረ ከምዝኾን ተገሊጹ።

እዚ ናይ ሎሚ ምሸት መደረ ኩነተ-ሃገር ይቐርብ ዘሎ ‘ትራምፕ ፕረዚደንት ካብ ዝኾኑ ድሕሪ ድፍን ሓደ ዓመት’ዩ’። ጉዳያት በጀትን ገለ ስደተኛታትን ዘየባሪ ቆይቒ ድሕሪ ምስዕራሩ’ዩ።

ዋይት ሃውስ ብወገኑ ‘እቶም ፕረዚደንት ኣብ ጉዳያት ዕድል ስራሕ፣ ቁጠባን ለውጢ ኣሰራርሓ ግብሪን ከምኡውን ትሪልዮን ዶላር ዝብጀተሉ ህንጸት ትሕተ ቅርጺ ንከጽድቑ ንኣባላት ቤት ምኽሪ ክጽውዑ’ዮም’ ኢሉ’ሎ።

ብዘይካ’ዚ፣ ፕረዚደንት ትራምፕ ጉዳያት ሃገራዊ ድሕነት፣ ሰሜን ኮርያን ሚሳይል ቦልስቲክን ከምኡውን ርትዓዊ ርክባት ንግዲ ክጠቕሱ’ዮም።

ንቡር ኮይኑ ድሕሪ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝገብርዎ መደረ ኩነተ-ሃገር፣ ደምበ ተቓውሞ ዴሞክራሲያዊን ኣብ ልዕሊ መደረ እቶም ፕረዚደንት ግብረ መልሲ ክህቡ’ዮም።

XS
SM
MD
LG