ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትራምፕ ወግዓዊ ሕጹይ ሪፖብሊካውያን ኮይኑ


ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ምሸት ወግዓዊ ሕጹይ ሰልፊ ሪፖብሊካውያን ኣብ ሓፈሻዊ ምርጫ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኮይኑ ክወዳደር ተመሪጹ።

ኣብቲ ኣብ ክሊቭላንድ ኦሃዮ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ ሰልፊ ሪፖብሊካውያን ካብ ሪፖብሊካውያን ተወከልቲ ነቲ ወግዓዊ ሕጹይ ኮይኑ ከወዳድሮ ዘኽእልነጥቢ ብምርካቡዩ ሕጹይነቱ ወግዓውነት ከልብሶ ክኢሉ።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝቕጽል ዝተረፈ ግዜ ክሳብ ምርጫ ፕረዚደንትነት ኣንጻር ሕጽይቲ ሰልፊ ደሞክራስያውያን ዝኾነት ሄላሪ ክሊንተን ክወዳደርዩ።

ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ሕዳር ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ ኣብ ልዕሊ ሄላሪ ክሊንተን ክዕወት ኣለዎ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኮይኑ ክምረጽ።

ሰልፊ ደሞክራስያውያን ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ተመሳሳሊ ዋዕላ ብምክያድ ንሕጹይነት ሄላሪ ክሊንተን ወግዓውነት ከልብሶዩ።

በዚ ድማ ዶናልድ ትራምፕን ሄላሪ ክሊንተንን ኣብ ሓፈሻዊ ምርጫ ፕረዚደንትነት ተጸሚዶም ክወዳደሩ እዮም።

ምንያ ኣፈወርቂ ዘዳለወቶ ተወሳኺ ጸብጻብ ድማ ከምዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ።

ዶናልድ ትራምፕ ወግዓዊ ሕጹይ ሰልፊ ሪፖብሊካውያን ኮይኑ ተመሪጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:15 0:00

XS
SM
MD
LG