ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈላማይ ዓብዪ መደረ መራሒ ኣሜሪካ ኣብ ኣውሮጳ


President Donald Trump
President Donald Trump

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዋርሶ ፖላንድ ክዛረቡ ከለው ‘ናይ’ዚ መዋእል’ዚ ሕቶ ‘ምዕራብ ክቕጽል ድዮ፣ ክብሪታትና ዝሓተተና ዋጋ ከፊልና ክንዕቅቦም ዲና? ንዜጋታትናን ንዶባታትናን ክንሕልዎም ዲና ዝብል’ዩ’ በሉ።

‘ንክብሪታትና ዘኽብሩን ንህዝቢታትና ዘፍቅሩን ኣጋይሽ ሓንጎፋይ ኢልና ንቕበል ኢና፣ ዶባታትና ግና ንፈጠርቲ ራዕዲን ጽንፈኛታትን ግና ዕጹዋት እዮም’ ኢሎም ሚስተር ትራምፕ።

ብዙሓት ፖላንዳዊያን ነቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ‘ካብ ገለ ሃገራት ሙስሊም ስደተኛታት ኣይንቅበልን’ ዝብል ሓሳብ ዝድግፉ’ዮም። ናብ ኣውሮጳ ካብ ሞንጎ ዝኣተው ስደተኛታት ብመልክዕ ኮታ ሃገሮም ንክትቅበል ንዘሎ ውሳነ ኣበርቲዖም ዝቃወሙን’ዩም።

እቶም ካብ መላእ ፖላንድ ብኣውቶብስ ተጓዒዞም ናብ ዋርሶው ዝኣተው ንመደረ እቶም ፕረዚደንት ዝሰምዑ ሰባት፣ ኣብ እዋን’ቲ መደረ ደጋጊሞም ‘ዶናልድ ትራምፕን’ ‘USA’ እናበሉ ይጭርሑን ይምድሩን ነይሮም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:04:51 0:00

XS
SM
MD
LG