ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽሉ እዋን ጀሚሩ ዝተግብርዎ ፖሊሲ ኢምግረሽን ንብዙሓት ምንጪ ሻቕሎት ኮይኑ’ዩ። ‘ዕጻ ሕጋዊን ዘይሕጋዊን ስደተኛታት ማዕረ ክሳብ ዝመስል ኣደናጊሩና’ሎ’ ዝብሉ እውን ኣይተሳእኑን።
ስለምንታይ? ገሊኦም ‘ትራምፕ ኣብ ታህዋኽ ዝተመርኮሰ ውሳነ ስለዘሕለፉ’ዩ’ ይብሉ። ካልኦት ድማ ‘መነባብሮ ህዝቢ ኣሜሪካ ብዘይሕጋዊን ገበነኛታት ስደተኛታት ይህወኽ ከምዘሎ ካብ ዘይምርዳእ ዝነቅል’ዩ’ ይብሉ።
ሓቀኛ ትርጉም ፖሊሲ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ እንታይ’ዩ? ናይ ሎሚ መደብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ መዘራረቢ ኮይኑ ኣሎ።
ኣጋይሽና ንፖሊሲ እቶም ፕረዚደንት ጽቡቕ ገይሩ ዝትንትን ኣቶ ላባን ስዩምን ንዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ዝድግፍ ዶ/ር ሓየሎም እምባዬን ካብ ኦሃዮ’ዮም።