ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተመራጻይ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ዝትግብርዎ ፖሊሲ ኣፍሪቃን


ዶናልድ ትራምፕ
ዶናልድ ትራምፕ

ዶናልድ ትራምፕ ንሂለርይ ክልንትን ስዒሮም መንበረ ስልጣን ዝቅበሉሉ እዋን ዕስራ ጥሪ 2017 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ’ዩ።

ኣብ እዋን ወፍሪ ምረጹኒ የቃልሕዎ ከምዝነበረ፣ ቀንዲ ጠመተ ፖሊሲ ወጻኢ ኣብ ምድምሳስ ግብረ ሸበራዊያን ኮይኑ ‘ኣሜሪካ ምቅዳም’ ዝብል ኣንፈት ከምዝስዕቡ ገሊጾም’ዮም።

እንተኾነ ካብ ገለ ወገናት ዝስማዕ ፍርሂ ዘስዕብ ሪኢቶታት ብሕልፊ ንስደተኛታት ዝምልከት ግምታት ሻቅሎት ዝፈጠረ ኮይኑ’ሎ። ኣጋይሽና ግና ምስ’ዚ መደምደምታ’ዚ ኣይሰማምዑን።

ኢትዮጵያዊ ኣቶ ላባን ስዩም ‘ብፖሊሲ ኢምግረሽን ዝጥረዙ ገበነኛታት ጥራሕ’ዮም፣ በዝሖም ድማ ክሳብ 3 ሚልዮን ክኾኑ ይኽእሉ’ ክብል ከሎ፣ ኤርትራዊ ኣቶ ሃብታይ ዕቁባዝጊ ብወገኑ ‘ኣሜሪካ ከምቀደማ ክትቅጽል’ያ’ ይብል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:11:58 0:00

XS
SM
MD
LG