ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ናብ ኣሜሪካ ዝኣትው ሙስሊማት ክፍቀደሎም ኣይግባእን' ዶናልድ ትራምፕ


ዶናልድ ትራምፕ
ዶናልድ ትራምፕ

ሪፐብሊካዊ ፕረዚደንታዊ ሕፁይ ዶናልድ ትራምፕ፣ ብተንቂ’ቲ ‘መራሕቲ ሃገራት፣ ሓድሽ ስግኣት ግብረ-ሸበራ ክሳብ ዝንፅሩ፣ ናብ ኣሜሪካ ዝኣትው ሙስሊማት ገየሽቲ ብሙልኦም ክኽልከሉ ኣለዎም’ ንዝብል ዘቅረብዎ እማመ፣ ኩነኔ የስዕበሎም ኣሎ።

ቀ/ሚ እንግሊዝ ዴቪድ ካምርን፣ ውጥን ትራምፕ ‘ከፋፋሊ፣ ዘይሓጋዚን ብሓፂሩ ጌጋን’ ኢሎም ገሊፆምዎ።

ኣብ ጄኔቫ ሪኢቶ ዝሃቡ ወሃቢ ቃል ትካል ስዱዳት ሕ/ሃ ብወገኖም ‘ፕረዚደንታዊ ሕፁያት ዝጥቀሙዎ ዘሎ ኣገላልፃ፣ ንፕሮግራም ሰፈራ ኣብ ሓደጋ የውድቆ’ሎ’ ኢሎም።

ኣብ ውሽጢ ኣሜሪካ፣ መቀናቅንቲ ሚ/ር ትራምፕ ንውጥን ሚስተር ትራምፕ ይነፅግዎ’ለው። ሰብ-ሞያ ሕጊ ድማ፣ ሙስሊማት ናብ ኣሜሪካ ንከይኣትው ምእጋድ፣ ንሕገ-መንግስቲ ኣሜሪካ ዝቃረን’ዩ ይብሉ።

ንመርገፂኦም ኣትሪሮም ዝሓዙ ዶናልድ ትራምፕ ግና፣ ፕረዚደንት በራክ ኦባማ ኣብ ማእከላይ ምብራቅ ፀረ ዳዕሽ ንዘርእይዎ ዘሎ መሪሕነት ድኹም’ዩ ኢሎም ነቂፎም።

ኣብ ኹናት ኢና ዘለና ዝበሉ ትራምፕ፣ ከምኡ ኢሉ ክገልፅ ዘይደልይ ፕረዚደንት’ዩ ዘለና ይብሉ።

XS
SM
MD
LG