ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንታዊ ተወዳደርቲ ኣሜሪካ ኣብ ወሰንቲ ግዝኣታት ጎስጓስ ጀሚሮም


ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ኮቪድ19 ምሕማሞምን ዶክተሮም ንካልኦት ነቲ ሕማም ኣየመሓላልፉን ምስ ተባህሉንን ናብ ወፍሪ ምርጫ ክዋፈሩ እዚ ቀዳማይ ሰሙኖም እዩ።ሰለስተ ሰሙናት ኣብ ዝተረፎ ምርጫ ፕረ. ትራምፕን ፕረዚዳንታዊ ሕፁይ ዴሞክራት ጆ ባይደንን ደገፍቶም ንምሕያል ኣብተን ወሰንቲ ዝኾና ክፍለ ግዝኣታት ክዋፈሩ እዮም።

ናይ ምርጫ ዕለት ኣብ ዝቀራረበሉ ዘሎ ደገፍቲ ካብ ፍሎሪዳ ክሳብ ኦሃዮ ኣብ ዙሪያ ሕፁያቶም ይተኣኻኸቡ ኣለው።ከቢድ ውድድር ኣብ ዝካየደላ ፍሎሪዳ ፕረዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ድሕሪ ብኮቪድ -19 ምሕማሞም ኣብ ዘካይድዎ ወፍሪ ዝሳተፉ ሰባት ሙቐቶም እናተዓቀኑ ይኣትው።

"ብወግዒ ወፍሪ ምርጫ ንምክያድ ናብ ክፍለ ግዝኣተይ ፍሎሪዳ ምምፅአይ ደስ ኢሉኒ ኣሎ’’ ዝበሉ ፕረዚዳንት ትራምፕ ብግብሪን ብቃላትን ትራምፕ ካብ ኮቪድ-19 ምሕዋዮም ገሊፆም ኣለው።ነፃ ምዃኖም፣ሓይሊ ይስምዖም ከምዘሎን ኣብ ሰውነቶም መከላኸሊ ናይቲ ቫይረስ ከምዘማዕበሉን ይገልፁ።

ካብ ኮቪድ 19 ዝከላኸል ኣብ ሰውነት ከምዝምዕብል እቲ ሳይንስ ገና ንፁር ኣይኮነን።

ካብ ናይ ትራምፕ ፍሎሪዳ ብዝተፈለየ ኣብ ኦሃዮ ንዝተኣከቡ ደገፍቶም ዝተዛረቡ ባይደን "ትራምፕ ብኮቪድ ሓሚሞም እውን ነቲ ሕማሞም ብዝግባእ ኣይሓዙዎ" ክብሉ ነቒፎም።

ባይደን "ምሕማሙ ብምርመራ ካብ ዝንገሮ ዘርኣዮ ዘይግዱስን ዘይምኽኑይን ባህሪ እዩ።ዶናልድ ትራምፕ ፕረዚዳንት ኮይኑ እንተቐፂሉ ዝገደደ ዘይግደስ ኮይኑ እዩ ክቕፅል’’ ኢሎም ።

ትራምፕ ኣብ 2016 ኣብ ፍሎሪዳ ስዒሮም ነይሮም፤ ኣብ 2020 ግን ኣብ ውድድር ኣትያ ትርከብ። ብመሰረት ዳሕረዋይ ኣሃዛዊ መዐቀኒ ርእይቶ ህዝቢ ባይደን ንትራምፕ ብፀቢብ ይመርሑዎም ኣለው።ፍሎሪዳ ንኽልቲኦም ተወዳደርቲ ወሳኒት ክፍለ ግዝኣት እያ።

XS
SM
MD
LG