ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መባእታዊ ምርጫታት ኣሜሪካ ይዛዘም ኣሎ


ዶናልድ ትራምፕ
ዶናልድ ትራምፕ

ቢልየንርን ጀማሪ ፖለቲከኛን ዶናልድ ትራምፕ፣ ትማሊ ሰሉስ ኣብ መባእታዊ ምርጫ ኢንዲያና ዘተኣማምን ውፅኢት ድሕሪ ምምዝጋቡ፣ ፕረዚደንታዊ ሕፁይ ፓርቲ ሪፐብሊካዊያን ንምዃን ተቀሪቡ’ሎ።

ትራምፕ ኣብ ኢንዲያና ኣብ ልዕሊ ሴነተር ቴድ ክሩዝ ከቢድ ስዕረት ኣመዝጊቡ። ዓወት ዶናልድ ትራምፕ፣ መወዳእታ ምዕራፍ ሴነተር ቴድ ክሩዝ ጉዕዞ ናብ ዋይት ሃውስ ኮይኑ’ሎ።

ኣብ ደምበ ዴሞክራሲያዊያን፣ ሴነተር በርንይ ሳንደርስ፣ ይመርሓ ንዘለዋ ሂለርይ ክልንትን ብፀቢብ ብልጫ ስዒሮም።

ሴነተር ሳንደርስ ኣብ ኢንዲያና ዋላ’ውን እንተሳዓሩ፣ ነቲ ወ/ሮ ሂለርይ ክልንትን ዝሓዘኦ ሰፊሕ ብልጫ ናብ ሕፅይቲ ፕረዚደንትነት ፓሪቲ ዴሞክራሲያዊያን ከፅብብዎ ኣይካኣሉን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ​ ምስማዕ ይክኣል።​

please wait

No media source currently available

0:00 0:03:08 0:00

XS
SM
MD
LG