ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምሩጽ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ሩስያ ኣብ ምርጫ ኣሜሪካ ምትእትታዋ ኣሚኖም


ምሩጽ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ
ምሩጽ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ

ፕረዝደንት ኣሜሪካ ኮይኖም ዝተመርፁ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ፈላማይ ጋዜጣዊ መግለፂ ሎሚ መዓልቲ ረቡዕ ሂቦም።

ምሩጽ ፕረዝደንት ትራምፕ ሩሲያ ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ኣብ ዝተኻየደ ፕረዝደንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ኢዳ ምእታዋ ኣሚኖም ኣለው።

ሩሲያ ኣብ ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምርጫ ኢዳ ምእታዋ ዝኣመኑ ምሩጽ ፕሬዝዳንት ዶናድ ትራምፕ ናይ ሩሲያ ፕሬዝዳንት ቪላድሚር ፑቲን እንተድኣ ፈቲዮምኒ ግን ከም ፀጋ እምበር ከም ሓጥያት ኣይርእዮን እየ ኢሎም።

ኣብ ቅድሚ 250 ጋዜጠኛታት ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ዝሃብዎ ፈላማይ ጋዜጣዊ መግለፂ ፑቲን ኣብ ክንዲ ንሂላሪ ክሊንተን ንዕኦም ዝድግፉ እንተድኣ ኮይኖም ስልጣን ምስሓዙ ኣብ ዓለምለኸ መድረኽ ኣብ ልዕሊ ሩሲያ ብርቱዕ መርገፂ ከምዝሕዙ ትራምፕ ገሊፆም።

ንሶም ብተወሳኺ ምስ ሩሲያ ፋይናንስያዊ ምትእስሳር ወይ ረብሓ የብለይን እውን ኢሎም። "ምስ ሩሲያ ዝኣተኹዎም ናይ ንግዲ ስምምዕ የብለይን፤ናይ ሩሲያ ዕዳ የብለይ" ኢሎም ኣለው።

ፑቲን ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካ ናይ ኮምፒተር ስለያ ክካየድ ኣዚዞም ዝብል እምነት ሰበስልጣን ስለያ ኣሜሪካ ብዝምልከት ዝተሓተቱ ትራምፕ "ፑቲን ከምኡ ክገብሩ ኣይነበሮምን" ክብሉ መሊሶም።

ዶናልድ ትራምፕ ክልተ ኣወዳት ደቆም ዶናልድ ትራምፕ ጂኒየርን ኤሪክን ንኩሎም ዓለምለኸ ውራያት ንግዶም ከምዝመርሑ እውን ኣፍሊጦም።

‘ብዛዕባ ዝሰርሑዎ ውራይ ንግዲ ምሳይ ኣይዘራረቡን፣ኩሉ ነገር ደቀይ ብምሉኡ ክቆፃፀሩዎ የረክቦም ኣለኹ።’ ኢሎም ኣለው።

ትራምፕ ናይ መወዳእታ ጋዜጣዊ መግለፂ ዝሃቡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 27 ሓምለ ነይሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG