ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣምባሳደር ዩ-ስ ኣብ ኢትዮጵያ፤ንፀጥታዊ ስግኣት ኢትዮጵያ ኣብ ምምካን ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም


ኣብ ሰላም፣ምዕባለን ዴሞክራስን ሰብኣዊ መሰላትን ዝተሓፀረ ፖሊሲ ኣለና'ውን ይብሉ

ኣሜሪካ ኣብ ምኽባር ሰላምን ፀጥታ’ቲ ዞባ ኣብ ጎኒ ኢትዮዽያ ኮይና ከምትሰርሕ ኣምባሳደር ዩ-ስ ኣብ ኢትዮዽያ ዶናልድ ቡዝ ኣፍሊጦም።ከም መጠን ሓንቲ ካብ‘ተን መሻርኽቲ፣ኢትዮዽያ ንዘጋጥማ ስግኣት ድሕነት ንምፍታሕ ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

ኣብ ኢትዮዽያ ናይ ዩ-ስ ባዓል-ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደር ዶናልድ ኢ-ቡዝ፤ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ልዕሊ ሚእቲ ዓመታት ዝሰገረ ምኻኑ ድሕሪ ምዝኽኻር፣ሃገሮም ምስ ኢትዮዽያ ዘለዋ ርክብ ኣብ ኣፍሪቃ ብመንፅር ዘለዋ ክልተኣዊ ዝምድና ካብ‘ቶም ብዙሓት እቲ ኣገዳሲ‘ዩ ይብሉ።

ታኼላ ርክብን ዝምድናን ኢትዮዽያን ኣሜሪካን ኣብ ሰለስተ ከምዝግለፅ ዝሕብሩ ኣምባሳደር ዶናልድ ቡዝ፣ሓደ ኣብ ሰላምን ፀጥታን ሓቢርካ ምስራሕ፣ካልኣይ ምርግጋፅ ዕብየትን ቁጠባን ኣብ ኢትዮዽያ ሳልሳይ ምዕሳል ዴሞክራሲ፣ሰብኣዊ መሰላትን ምሩፅ ምሕደራን’ዮም ኢሎም።

ብዛዕባ ሰላምን ፀጥታን ኣብ ዝገለፅሉ እዋን ”ኢትዮዽያ ኣብ ህውከት ዝዓሰሎ ዞባ፣ ደሴት- ህድኣት‘ያ።ከምኡውን ኢትዮዽያ ንዞባዊ ግጭታት ንክትፈትሕ፣ኣብ ኣፍሪቃ ዓቃቢ-ሰላም ናብ ዘድልዩሉ ስፍራ ሰራዊት ክተዋፍር ንፅበያ ኢና።ግብረ ሸበራን ፅንፈኛነትን ኣብ ምግታእ‘ውን ትተሓጋገዝ‘ያ” ኢሎም።

ናብ ኢትዮዽያ ካብ ዝተመደብሉ እዋን ጀሚሮም ንምሕያል ንግድን ኢንቨስትመንትን ክልቲኤን ሃገራት ፍሉይ ቆላሕታ ከምዝሃቡ ይገልፁ ኣምባሳደር ቡዝ።

መንግስቲ ኢትዮዽያ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣመልኪቱ ሓድሽ ፖሊሲ ነፂሩ‘ሎ።ኣሜሪካ ነቲ ሓድሽ ፖሊሲ መንግስቲ ኢትዮዽያ ትድግፍ ድያ ዝብል ሕቶ ካብ ሓደ ጋዜጠኛ ቀሪብሎም ኣምባሳደር ቡዝ ዝሃብዎ መልሲ
ምስ ኢትዮዽያ ተሓጋጊዝና ክንሰርሕ ኢና ምስ በሉ “ፈጠራ ራዕዲ ንምፍሻል ሓባራዊ ረብሓ ኣለና።ነዚ ዞባ ንምህዋኽ ንዝግበር ፃዕሪ ኣብ ምፍሻል‘ውን ንተሓጋገዝ ኢና።ስለዚ ኢትዮዽያ ንዘጋጥማ ስግኣት ፀጥታ ኣብ ምምካት‘ውን እንተኾነ ሓቢርና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም”።

ኣምባሳደር ዶናልድ ቡዝ ኣብ ዘረበኦም፣ምስ መንግስቲ ኢትዮዽያ ሙሉእ ንሙሉእ ንረዳዳእ ኢና ማለት ኣይኮነን፣እንተኾነ ኣብ‘ቶም ዘሰማምዑና ተሓባቢርና ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

XS
SM
MD
LG