ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርጽም ርእሰ-ጳጳሳት ፍራንሲስ ምስ ዲታ ዶናልድ ትራምፕ


መራሒ ቤተ-ክርስትያን ካቶሊካዊያን ባዕሎም ናብ ንሕንሕ ፕረዚደንታዊ ውድድር ኣሜሪካ ጥሒሎም። ንደምበ ሪፕብሊካዊያን ይመርሕ ዘሎ ዲታ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ደቡባዊ ዶብ ኣሜሪካ ምስ ሜክሲኮ፣ መንደቅ ክሃንፅ’የ ስለዝብል ‘ክርስትያን ኣይኮነን’ ኢሎሞ’

እቶም ርእሰ ሊቃነ-ጳጳሳት ነዚ ርእይቶ’ዚ ዝሃቡ ድሕሪ ኣብ ሜክሲኮ ዝፈፀምዎ ዑደት ናብ ቫቲካን ሮማ ኣብ ዝምለስሉ ሰዓት’ዩ።

ንሶም ክዛረቡ ከለው ‘ኣብ ክንዲ ድልድል፣ መንደቅ ክሃንፅ’የ ኢሉ ዝሓስብ ሰብ፣ ኣብ ዝሃለዎ ይሃልው፣ ክርስትያን ኣይኮነን’ ኢሎም። ግብሪ ወንጌል ኣይኮነን’ውን ኢሎም ንሶም።

ካብ ፕሪስበይተርያዊት ቤተ-ክርስትያን ዝኾነ ዶናልድ ትራምፕ ብወገኑ ‘ርእይቶ’ቶም ርእሰ-ጳጳሳት፣ ዝምረፅ ዓይነት ርእይቶ ኣይኮነን። እቶም ርእሰ ሊቃነ-ጳጳሳት ንእምነተይ ኣብ ሕቶ ምልክት ምእታዎም ዘሕፍር’ዩ’ ኢሉዎ።

ዶናልድ ትራምፕ ወሲኹ ‘ፈጠርቲ ራዕዲ ንቫቲካን እንተጥቂዖም፣ ከም ኣብ ዋሽንግተን ዘለው መራሕቲ ስጉምቲ ዘይወስዱ ዘይኮነስ፣ ዶናልድ ትራምፕ፣ ፕረዚደንት እንተዝኸውን ነይሩ ሕራይ ገይሩ መልሰ-ግብሪ ምሃበልና ነይሩ ምባሎም ኣይንተረፈን’ በለ።

Recommended

XS
SM
MD
LG