ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዕላል ምስ ኣመሪካዊት ግዳይ ዘቤታዊ ዓመጽ


ዕላል ምስ ኣመሪካዊት ግዳይ ዘቤታዊ ዓመጽ
please wait

No media source currently available

0:00 0:08:53 0:00

ዕላል ምስ ኣመሪካዊት ግዳይ ዘቤታዊ ዓመጽ

ቅድሚ 20 ዓመታት ጆን አለን ዝተባህለ ኣመሪካዊ ፡ቅጭ-ሕርሙ ብረት(ስናይፐር) ተጠቒሙ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን 10 ሰባት ቀቲሉ ሰለስተ ድማ ብኸቢድ ድሕሪ ምቑሳሉ ኣብ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ ከቢድ ስግኣት ፈጢሩ ምንባሩ ይዝከር። ን23 መዓልታት ዝቀፀለ መጥቃዕቲ ኣብያተ ትምህርቲታት ክዕፀዉ ሰባት ካብ መንበሪታቶም ንኸይወፁን ኣገዲዱ ነይሩ`ዩ።

ኣብ ናይ ሎሚ መደብ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ምስ በዓልቲ ቤት ፈጻሚ እዚ መጥቃዕቲ ዝነበረትን ግዳይ ዘቤታዊ ዓመፅ ዝኾነትን ሚልድሬድ መሓመድ በዚ ፍጻመ ካብ ዝሰዓበ ስነኣእሙሮኣዊ በሰላ ብኸመይ ከምዝሓወየትን ዝሓለፈ ተመክሮኣን ኣካፊላትና ኣላ።

ን12 ዓመታት ብሓዳር ምስ ፈጻሚ እዚ መጥቃዕቲታት ዝፀንሐት ማልድሬድ መሓመድ በዓል ቤታ ስምዒታውን ስነልቦናውን መጥቃዕትታት የብጽሓላ ከምዝነበረ ትገልጽ። ዝበፅሓ በደላት ንሰባት እንተተዛረበት'ውን ሰማዒ ከምዘይረኸበት ትሕብር ማልድሬድ ቅድሚ ናብዚ ፍጻመ ምብጽሑ ጆን ኣለን ሕያዋይን ምዝንጋዕ ዝፈቱን ምቅሉል ሰብ ምንባሩ ትዛረብ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG