ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካዊ ላዕለዋይ ባዓል ስልጣን ኣብ ካምፕ ስደተኛታት ዶሎ-ኣዶ ሓዲሮም ተመሊሶም


Reuben Brigety
Reuben Brigety

በዝሒ ዝሞቱ ህፃናት ሶማልያ ድሕሪ ክልተ ወርሒ ሎሚ'ውን ኣይነከየን ኢሎም

ኣብ‘ቲ ምስ ኢትዮዽያ ዘዳቡብ ከባቢ ሶማልያ ዝተኸሰተ ሞት ህፃናት መጠኑ ውሱን ምንካይ ከምዝተራኣየሉ፣ኣብ ምትሕብባር ሰብኣዊ ጉዳያት ኣሜሪካዊ ላዕለዋይ ባዓል-ስልጣን ገሊፆም።ምክትል ምንስቴር ወፃኢ ኣሜሪካ ሩብን ብሪጅት ነዚ ሪኢቶ‘ዚ ዝሃቡ፣ነቲ 120 ሽሕ ካብ ደርቂ ዘጥቀዖ ዞባታት ሶማልያ ሃዲሞም ዘዕቆብሉ ካምፕ ዶሎ ኣዶ ድሕሪ ዝገበርዎ ምብፃሕ‘ዩ።

መንግስቲ ኣሜሪካ ንጉዳያት ስደተኛታትን ኣጋይሽንን ንክከታተልሉ ዝሾሞም ምክትል ምንስትር ወፃኢ ኣሜሪካ ሩብን ብርጅት፣ሎም-ዘበን ናብ ዶሎ-ኣዶ ሳልሳይ መገሻ ፈፂሞም‘ለው።

ንሶም ንቪኦኤ ከምዝገለፅዎ፣ትካላት ሰብኣዊ ጉዳያት ኣብ ምኽፋት ሕክምናዊ ማእከላትን፣ካብ‘ቲ ደርቂ ዘጥቀዖ ዞባታት ሶማልያ ዕለታዊ ናብ ኢትዮዽያ ዝኣተው ስደተኛታትን ኣብ ምምዝጋብ ዝናኣድ ተግባር ፈፂሞም ኢሎም።እንተኾነ ሎሚ‘ውን ብርክት ዝበሉ ህፃናት ብጠንቂ ጉድለት ኣመጋግባን ካልኦት ፀገማትን ይሞቱ ከምዘለው ሓቢሮም።

”መጠን ሞት ቅድሚ ክልተ ወርሒ ከምዝነበሮ‘ዩ ዘሎ።ኣብ‘ዚ ቀረባ ለበዳ ንፍዮ ተኸሲቱ ነይሩ።እንተኾነ ዝምልከቶም ወገናት ንምጥፋእ‘ቲ ለበዳ ግቡእ ቅሩብነት ነይሩዎ‘ዮ።መጠን ብጉድለት ኣመጋግባ ዝሳቀዩ ህፃናት ግና ከም‘ቲ ቅድሚ ሽዱሽተ ሰሙን ዝነበረ‘ዩ ዘሎ።ስለዚ እዚ ፀገም‘ዚ ንክንኪ ክንዲ ዝካኣለና ክንፅዕር ይግባእ” ኢሎም ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ ሪኢቶ።

ሚስተር ብሪጅት ኣብ ዘረበኦም፣እቲ ኣብ ዶሎ ኣዶ ዝራኣይ ዝኸፍአ መጠን ሞት ህፃናት ትሕቲ ሓሙሽተ ዝዕድሚኦም ካብ ሽሕ ህፃናት ፲፭ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብሰንኪ ጥምየት በዝሒ ዝሞቱ ሶማልያውያን ዛጊድ ሰላሳ ሽሕ በፂሑ‘ሎ፣ ዕለት ዕለት ድማ ይውስኽ‘ሎ።ጥምየት ዝያዳ ዝገበለሉ ደቡባዊ ሶማልያ ግና ንትካላት ረድኤት ሎሚ‘ውን ዕፁው‘ዩ። ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ኣኽራሪ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ኣብ ዝርከብ ዞባ፣በዝሒ ዝሞቱ ሰባት ንምፍላጥ ኣይተኻእለን።

እቶም ኣሜሪካዊ ባዓል-ስልጣን፣ኣብ ድኳን ዶሎ ኣዶ ድሕሪ ምድቃስ ዝሃቦም ትምህርቲ፣ትርጉም እቶም ንህፃናት ካብ ጉድለት ኣመጋግባን ንፍዮን ንምድሓን ከቢድ ፈተና ኣጓኒፍዎም ዘሎ ብርክት ዝበሉ ሰራሕተኛታት ሰብኣዊ ትካላት ዘሕልፍዎ ዘሎ ህይወት ክፈልጡ ከምዘኽአሎም ሓቢሮም።

”ካብ‘ታ ዝሓደርኩላ ሓንቲ ለይቲ፣ምስተመለስኩ ነብሰይ ምስተሓፀብኩ፣ናብ ኣእዛነይ ንዝኣተወ ዶሮና‘ውን ኣራገፍኩ።ንድሕሪት ምልስ ኢለ፣ኣብ‘ቲ ዝሓደርኩሉ ከባቢ ዝነብሩ ዘለው፣ብዘይምቁራፅ ብሃሩርን ዶሮናን ዝሳቀዩ፣ ሓቂ ንምዝራብ ከቢድ ፈተና‘ዮም ዘሕልፉ ዘለው” ይብሉ ንሶም።

ዝያዳ ዘሻቅለኒ ግና ይብሉ ምክትል ምንስቲር ወፃኢ ኣሜሪካ ሩብን ብሪጅት፣ማሕበረ-ሰብ ዓለም ናብ‘ቲ ኣል-ሸባብ ዝቆፃፀሮ ዞባታት ሓያል ጣልቃ ምትእትታው እንተዘይገይሩ ዓሰርተታት ኣሻሓት ሰባት ክሞቱ‘ዮም ዝብል ምኻኑ ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG