ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራይ ልዕሊ 20-ሽሕ ሶማልያውያን ናብ ኢትዮጵያ አትዮም


ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ጥራይ ልዕሊ 20-ሽሕ ሶማልያውያን ስደተኛታት ዶሎ ኣዶ ኣብ ዝርከብ መቀበሊ ስደተኛታት ከምዝበፅሑ ተገሊፁ።

ኣብ ዶሎ ኣዶ ካብ መቀበሊን መፅንሒን ስደተኛታት ብተወሳኺ ሰለስተ መዕቆቢ ስደተኛታት አሎ።

ሓድሽን ራባዓይን መዕቆቢ ስደተኛታት ኸአ ተኸፋቱ'ሎ።

ኣብቲ መዕቆቢ ስደተኛታት ዝበዝሓ ደቀንስትዮ'የን። 53.6 ሚእታዊ ይበፅሓ። እዚአተን ኣብ ዝተፈላለየ ክልል ዕድመ ዝርከባ'የን።

ሓንቲ ካብአተን ን'4-መዓልታት ተጋዒዘን ናብቲ መዕቆቢ ስደተኛታት ዝበፅሓ ወ/ሮ መዲና አብዲ አደን፡ ከም አጣል ቆፅለ-መፅሊ ክበልዕ ድሕሪ ምፅናሕ ንሱ'ውን ምስ ተወደአ'የ ናብዚ መፂኤ ኢለን።

እቲ ካልእ ዘየሓጉስ ዜና ካብ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት ዝተገልፀ ኸአ ኣብቲ መዕቆቢ ስደተኛታት ሕማም ንፍዮ ይጋፋሕ ምህላዉ'ዩ።

XS
SM
MD
LG