ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንዝኽሪን ታሪኽን ማራቶን ቦስቶን ዝዝንትው ዶኮመንታሪ ፊልም ተዳልዩ


ኣብ 15 ሚያዚያ 2013 ዓ.ም ኣብ ናይ ቦስተን ማራቶን ዝተተኮሰ ነታጉ ንዓለም ዘሰንበደ ፍፃመ ነይሩ።ኣብ ናይ መወዳእታ መስመር ጉያ፣ ኣብ ናይ 12 ሰኮንዳት ኣፈላላያት ብዝተተኮሱ ክልተ ቦምብታት ሰለስተ ሰባት ተቐቲሎም፣264 ዝግመቱ ድማ ቆሲሎም ኣብ 27 ሆስፒታላት እቲ ከባቢ ተሓኪሞም።እንተወሓደ 14 ሰባት ኣእዳዎም ወይም ኣእጋሮም ስኢኖም።ንዝኽሪ እዚ ፍጻመ ድማ “መዓልቲ ሓረበኛታት” ዘርእስቱ ፊልም ነቲ ሓደጋ ምስ ወረደ ብዛዕባ ዝነበሩ ዘደንቑ ፍፃመታት ተዳልዩ።እንተኾነ ግን ጆን ደንሃም ኣብ ቀረባ ጊዜ ዝሰርሓ “ቦስተን” ዘርእስታ ዶክመንተሪ ፊልም ግን ኣብ ዝኽሪ ምትኳስ ናይቶም ቦምብታት ዝዓዘዘ ታሪኽ ኣርእያ’ላ።እቲ ደራሲ እቲ ውድድር ካብ ዝውጠን 1897 ዓ.ም ክሳብ ድሕሪ ሓደ ዓመት ናይቲ መጥቓዕቲ ማለት 2014 ዓ.ም ዘሎ ታሪኽ ኣብዚ ፊልም የዘንትው።

ንዝኽሪ መጥቓዕቲ ቦስተን ማራቶን ዘዘንትው ዶኮመንታሪ ፊልም ቦስተን
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:32 0:00

ብመጠን ወይ ብዝሒ ተሳተፍቲ 36 ሽሕ ተወዳደርትን መንፈሶም ክብ ዝበለ ማሕብረሰባትን ኣብ ግምት ብምእታው ናይ 2014 ዓ.ም ቦስተን ማራቶን እታ ከተማ ቅድሚ ሓደ ዓመት ግብረሽበራዊ መጥቓዕቲ ዘጋጠመ ኣይመስልን ።ዝተተኮሱ ነታጉታት ኣብ ልቢ ሰራሒ ፊልም ጆን ደንሃም ዝለዓለ ክብደት ኣለዎም።ንርእሱ ተሳታፊ ጉያ ማራቶን ዝኾነ ደንሃም ቅድሚ እቲ መጥቓዕቲ ብዛዕባ እዚ ታሪኻዊ ውድድር ዶክመንተሪ ንምስራሕ ንዓመታት ኣብ ምድላው እዩ ፀኒሑ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ንዝኽሪን ታሪኽን ማራቶን ቦስቶን ዝዝንትው ዶኮመንታሪ ፊልም ተዳልዩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:53 0:00


XS
SM
MD
LG